ዋሽንግተን —
ኣብ ኤርትራ ተወሊዳ፡ ብንእሽቶኣ ናብ ኣመሪካ ዝመጸትን “ሽኮሪና ባይ ሓቢ” ዝብል ትካል ክንክን ቆርበት ስነ ጽባቐን እትውንን ሓበን ግርማይ፡ ብዘይካ'ቲ ትህቦ ኣገልግሎት ጥዕና ቆርበትን ስነ ጽባቐን ናታ ፍርያት ብምቅማምን ምድላውን ንዕዳጋ ተቕርብ።
ፍርያት ትካል "ሽኮሪና ባይ ሓቢ" ናይ ትግርኛ ኣስማት ዘለዎም ፍርያት ምዃኖም ብተወሳኺ ባህላዊ ዲሳይን ብምጥቃም ከምዝዕሸጉ'ውን ሓበን ትገልጽ። ሓበን ናብዚ ዓውዲ ንምንታይ ከምተጸንበረት ኣገዳስነት ባህርያዊ ጥረ-ነገራት ኣብ ጽባቐ ቆርበት ካልኦት ጉዳያትን ብዝምልከት ኣዘራሪብና ኣለና።