ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ብምክንያት መበል 45 ዓመት ምስረታ ሕውሓት ምስ ጋዜጣ መቓልሕ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ

"ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ዶባዊ ጉዳይ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ንሕና መራሕቲ ተራኺብና ልዝብ ክነካይድ ይግባእ" ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቦም::

ዶክተር ደብረፅዮን ነዚ ዝበሉ ብምኽንያት መበል 45 ዓመት ምስረታ ህወሓት ንሓደ ጋዜጣ እቲ ክልል ኣብ ዝሃብዎ ቃለመጠይቕ እዩ::

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብቲ ቅድሚ ዝተወሰኑ መዓልታት ተኻይዱ ትማሊ ወግዓዊ ዝተገበረ ቃለ መጠይቕ ዶባዊ ጉዳይ ክልቲአን ሃገራት ብሕግን ስርዓትን መዕለቢ ክረክብ ኣለዎ ኢሎም::

ኣብዚ ቃለመጠይቕ: ኩነታት ሰላምን ልምዓትን እቲ ክልል: ሃገራዊ እዋናዊ ጉዳይ እውን ተዛሪቦም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ቃለ መጠይቕ ምስ ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል