ቃለ መጠይቕ ምስ ምኽትል ኣማሓዳሪ ሰሜናዊ ምዕራብ ዞባ ትግራይ ኣቶ ሙሉብርሃን ሃይለ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ብዝተፈላለዩ ወገናት ካብ ክልል ትግራይ ናብ ኤርትራ ከምዝሰግር ተገይሩ ዝነበረ ንብረት ምስ ዝምልከቶም ብምዝርራብ ከም ዝምለስ ንገብር ኣለና ክብል ምኽትል ኣማሓዳሪ ሰሜናዊ ምዕራብ ዞባ ትግራይ ኣቶ ሙሉብርሃን ሃይለ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ።

ኣብ ከባቢና ዝተፈጸሙ ዘረፋታት መብዛሕቲኦም ብገበነኛታት`ቲ ከባቢ ዝተፈጸሙ`ዮም ዝበለ ኣቶ ሙሉብርሃን፡ ኣብ ከባብና ጸጥታ ኣብ ምርግጋእ ተዋፊሮም ኣለዉ ዝበሎም ኤርትራዋን ዛጊት ብርክት ዝበላ ናይ ውልቀሳባት መካይንን ልዕሊ 15 ሚልየን ዝግመት ብርን ካብ ኤርትራ ከምዝምለስ ከምዝገበሩ ገሊጹ። ዝተርፈ `ውን እንተሎ ክመልሱልና ቃል ኣትዮም ኣለዉ ዝብለ ንሱ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሓገዝን`ምበር ኩናትን ፕሮፓጋንዳን ኣየድልዮን`ዩ ክብል`ውን መኺሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

Your browser doesn’t support HTML5

ቃለ መጠይቕ ምስ ምኽትል ኣማሓዳሪ ሰሜናዊ ምዕራብ ዞባ ትግራይ ኣቶ ሙሉብርሃን ሃይለ