ቃለ መጠይቕ ምስ ሄለን ፍሰሃየ ኣብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ኮሚሽነር ጉዳያት ኣፍሪቃ

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት ሄለን ፍሰሃየ ኣብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ኮሚሽነር ጉዳያት ኣፍሪቃ ብምዃን ኣብ ወርሒ ታህሳስ 2018 ተመዚዛ።እዚ መዝነት ንክልተ ዓመታት ዝጸንሕ እዩ። ሄለን ብተወሳኺ ኣብ ኣሜሪካን ዝተፈላለየ ሃገራት ኣፍሪቃ ስራሕ ፈጢሮም ሕብረተሰብ ኣብ ምሕጋዝ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝነጥፍ ናይ ገዛእ ርእሳ ትካል እውን ኣለዋ።ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ መዝነታን ተመክሮኣን ዝምልከት ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።