"ኣብ ቶጎጋ ትግራይ ብሰንኪ ዝተፈጸመ ደብዳብ ብርክት ዝበሉ ከምዝቆሰሉን ከምዝሞቱን፣ ንዝወረደ መጥቓዕቲ፣ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ዛጊት ከምዘይተረኸበ" ተፈሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ደብዳብ ከምዘይፍጽም ምግላጹ ሪፖርተርና ሂዘር ሞርዶክ ገሊጻ።
ብመሰረት መሰኻኸር ዓይኒን ሰብ ሞያ ሕክምናን ደብዳብ ከምዝተፈጸመ፣ ብርክት ዝበሉ ከምዝሞቱን ከምዝቆሰሉን ተፈሊጡ ኣሎ ትብል ሪፖርተርና ሂዘር ሞርዶክ፣
ከምኡ'ውን መገዲ ከምዝተዓጸወን ኣምቡላንሳት ነቶም ኣብ’ቲ ደብዳብ ዝተጎድኡ ናብ ሆስፒታል መቐለ ከግዕዛ ከምዘይካኣላ ዘዘራረብኩዎም ሰባት ገሊጾምለይ እዮም ትብል ።
ካልእ ዘይተዘርበሉ ነገር ኣሎ ትብል ወኪልና ሂዘር "ሓንቲ ከተማ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ኣብ ኢድ ሰለስተ ሓይልታት ከምዝወደቀት፣ ነበርታ ስለዝፈርሑ ካብ ቤቶም ክወጹ ከምዘይኣሉ፣ ብርክት ዝበሉ ኣባይቲ ከምዝዓነውን ሰለስተ ሰባት ከምዝሞቱን ገሊጻ።
ናብ’ቲ ደብዳብ ነፈርቲ ክመልሰኪ’ሞ፣ ኣብ ቶጎጋ ነቲ ደብዳብ መን ከምዝፈጸሞ ተፈሊጡ’ዶ ዝብል ሕቶ ዝቀረበላ ሂዘር ዝሃበቶ መልሲ፣ "ኣይፋሉን። መን ከምዝፈጸሞ ኣይተፈለጠን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ደብዳብ ኣይንፍጽምን ኢሉ። እቲ ደብዳብ ግና ንተዋጋእቲ ህወሓት ዒላማ ዝገበረ እዩ ዝመስል። እንተኾነ፣ ነቲ ደብዳብ ባዕለይ እየ ፈጻሚኡ ዝበለ ኣካል ዛጊት የለን።"
ካልእ ንሂዘር ዝቀረበላ ሕቶ "ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ፣ ኣብ ትግራይ ጥምየት የለን"ኢሎም እዮም። ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላትን ግና ሰፊሕ ሕጽረት መግቢ ከምዘሎ ሓቢሮምና ኣለው። ስለዚ እቶም ቀ/ሚ ስለምንታይ ከምኡ ከምዝበሉ ክተብርህልና’ዶ ምኻኣልኪ? ዝብል እዩ። ሂዘር "ዝቃልሑ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዝተጋነኑ እዮም፣ ናይ ወጻኢ ሚድያታት ኣንጻር መንግስቲ ጸግዒ ዝሓዘ ሓበሬታ’ዮም ዘቃልሑ ከምኡ'ውን ኣብ’ቲ ክልል ንዘሎ ሰብኣዊ ጸገማት የጋንንዎ ኣለው ዝብል ርእይቶ ኣብ አዲስ አበባ ሰሚዓ እየ። ቀ/ሚ ኣብዪ ስለምንታይ ኣብ ትግራይ ጥምየት የለን ከምዝበሉ ግና ንርእሰይ ርግጸኛ ኣይኮንኩን።"
ሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ሂዘር ሞርዶክ እቲ ሓቂ ግና ኣብ ትግራይ ጥምየትን ድኽነትን ኣሎ፣ እዚ ንሰራሕተኛታት ረድኤትን ንጋዜጠኛታትን ንጹር እዩ። ሕጽረት እኽሊን ጥቃ ጥምየት ዝርከቡ ኣስታት 350 ሽሕ ሰባት ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝጠመዩን ሰባት ኣለው ኢላ ።
ናብ አዲስ አበባ ክመልሰኪ’ሞ፣ ሰባት ብዛዕባ’ቲ ሶኑይ ዝተሳለጠ ሃገራዊ ምርጫ ዘለዎም ግብረ መልሲ እንታይ ይመስል?
ንሳ "ሰባት ሕውስዋስ ርእይቶታት እዮም ዝህቡኻ። ተቃወምቲ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ጉድለታት ከምዝሰነዱ፣ ንኣብነት መድመጺ ካርድታትን ተዓዘብቲ ምርጫን ከምዝተሰወሩ፣ ምፍርራሕ ኣብ ልዕሊ ተዓዘብቲ ከምዝተፈጸመ ካብኡ ዝኸፍአ ካብ ዝተመደብሉ ነቁጣ ንክርሕቁ ከምዝተገደዱ ይጠቅሱ ኣለው። ኣብ አዲስ አበባ እቲ ምርጫ ብሰላም ብምዝዛሙ እፎይታ ዝተሰመዖም’ውን ኣለው። "
ሂዘር ሞርዶክ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት"ውሑድ ዘይኮነ በዝሒ ዘለዎም ህዝቢታት ኣብ ምርጫ ከምዘይተሳተፉ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። መስርሕ ምርጫ ናብ መስከረም ዝተማሓላለፈሎም ከባቢታት’ውን ኣለው። ኣብ ሙሉእ ትግራይ ምርጫ ኣይተካየደን። ክልተ ተቃወምቲ ፓርቲታት ካብ ክልል ኦሮምያ ድማ ካብ’ቲ ምርጫ ንርእሶም ኣግሊሎም እዮም" ትብል።
Your browser doesn’t support HTML5