ቃለ መሕትት ምስ አባላት መርበብ ሰብ ሞያ ጥዕና ኤርትራውያን

Your browser doesn’t support HTML5

ቃለ መሕትት ምስ አባላት መርበብ ሰብ ሞያ ጥዕና ኤርትራውያን

መርበብ ሰብ ሞያ ጥዕና ኤርትራውያን ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ንመኽሰብ ዘይቆመ ትካል ኾይኑ ሕጋዊ ፍቃድ ዘለዎን ኣብ ውሽጢ ኣመሪካን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላተ ዓለም ንዘለዉ ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ጥዕና ዝሓቆፈን ጥርናፈ’ዩ።

መርበብ ሰብ ሞያ ጥዕና ኤርትራውያን ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ብመዳይ ኣገልግሎት ጥዕና ሓገዝ ንዘድልዮም ንምሕጋዝ ዝቆመ’ዩ።

እዚ ምጥርናፍ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ቴክሳስ ኣመሪካ ቀዳማይ ዋዕላኡ ኣሰናዲኡ ነይሩ። ብዛዕባ ኣቃውማ’ዚ ምጥርናፍን ዛጊት ዝዓመሞን ንመፃኢ ክዕምሞ ዝወጠኖን ብዝምልከት መብርሂ ንኽህቡና ንዶክተር ኣቤል ጸጋይ ካብ ሂውስተን ቴክሳስ ንዶክተር ሄኖክ ጸጋይ ካብ ሳክራሜንቶ ካሊፎርንያ ኣዘራሪብና’ለና።