ቂሔ ጽልሚ ምስ ስነ ጥበባዊ ኤፍሬም ታደሰ

Your browser doesn’t support HTML5

ቂሔ ጽልሚ ምስ ስነ ጥበባዊ ኤፍሬም ታደሰ

ኤፍረም ታደሰ ኣብ ምውሳእ፣ምፅሓፍን ምእላይን ድርሰታት ፊልም ዝሳተፍ ኣብነታዊ መንእስይ እዩ፡፡ ኤፍሬም ታደሰ ኣብ መኣዲ ስነ ጥበብ ምንጣፍ ዝጀመረ ካብ ግዜ ንእስነቱ እዩ፡፡ ኤፍሬም ካብ ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ትግራይ ብትያትራል ኣርት ተመሪቁ እዩ፡፡

ኤፍሬም ጣዕሳ፣ ፈትሊ ፣ ክልተ ምሸት ዝብሉ ተኸታተልቲ ናይ ተሌቭዥን ድራማ ሰሪሑ ናብ ህዝቢ ዘብፀሐ እዩ፡፡ ኤፍሬም ታደሰ ብርክት ዝበሉ ሓፀርቲ ወግዕታት ሰሪሑ ንምርኢት ኣብቂዑ እዩ፡፡ ብዘይካ እዚ ናይ መድረክ ትያትራት እውን ይደረስ፡ ይዋሳእን ይኣልይን።

ኤፍሬም ኣብ ድምፂ ወያነ ትግራይ፣ ኣብ ትካል ተሌቭዝን ሬድዮን ኢትዮጵያን መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይን ብጋዜጠኝነት አገልጊሉ እዩ፡፡ ድሕሪ ናይ 11 ዓመታ ዕረፍቲ ሕዘ ሓድሽ ስራሕ ናብ ተመልከቲ ሒዙ መፅኡ ኣሎ፡፡

ምስ ስነ ጥበባዊ ኤፍሬም ታደሰ ዝተካየደ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ቂሔ ጽልሚ ምስ ስነ ጥበባዊ ኤፍሬም ታደሰ