ቁጽሪ መወቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ቱርኪን ሶርያን ናብ 40,000 ክብ ምባሉ ተሓቢሩ

  • ዜና ቪኦኤ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቱርክን ሶሪያን ብዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ መሬት ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ናብ ልዕሊ 40,000 ክብ ኢሉ'ሎ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረጂፕ ጠይብ ኤርዶዋን ትማሊ ሰሉስ ኣብቲ 7.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት 35,418 በፂሑ ኣሎ ኢሎም።

ድሕሪ ሸሞንተ መዓልታት እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ዝፈራረሱ ህንፃታት ብህይወት ዝተረፉ ንምርካብ ክሳብ ትማሊ ሰሉስ ፍተሻ ከካይዱ ውዒሎም ኣለው።

ክኢላታት ግን ድሕሪ እዚ ነዊሕ ግዜ ኣብ ዝፈራረሱ ህንፃታት ሰባት ብህይወት ናይ ምርካብ ዕድል ፀቢብ እዩ ክብሉ የጠንቅቑ ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ጎረቤት ሶርያ ልዕሊ 5,500 ሰባት ምሟቶም ተረጋጊፁ ኣሎ ክብል ኤጄንሲ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ምግላፁ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ሶርያ ፀብፂቡ ።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ በቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ሶርያ ንዝወረደ ዕንወት ንምሕጋዝ 397 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ምሕፅንታ ኣቕሪቦም ኣለው።