ቁጠባ ዓለም ሎሚ ዓመት’ውን ዝሕቱል ከምዝኸውን ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ቁጠባ ዓለም 2019 ከም ናይ 2018 ዝሕቱል ክኸውን ትፅቢት ከምዝግበርን ኣብ 2020 ድማ ዕብየት ከርኢ ተስፋ ከምዝገብርን ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ/IMF/ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ቁጠባ ዓለም ክዓቢ ተስፋ ዝህቡ ምኽንያታት እንተሃለው እውን ክንድቲ ዝድለይ ከይዓቢ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣለው ኢሉ።ምውፃእ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ፣ርክብ ንግዲ ኣሜሪካን ቻይናን ከምኡ እውን ቁጠባ ቱርኪን ኣርጀንቲናን ገጢሙዎ ዘሎ ሓደጋ ካብቶም ዘሰክፉ ምክንያታት ገሊኦም እዮም ኢሉ።

ቁጠባ ዓለም ኣብ 2018 ናብ 3.6 ሚእታዊት ክወርድ ከሎ ኣብ 2019 ድማ 3.3 ሚእታዊት ከምዝኸውን ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ይትንበይ።ኣብ 2020 ድማ ናብ 3.6 ሚእታዊት ክምለስ ተኽእሎ ከምዘሎ እቲ ትካል ይገልጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሃገራት ብልሽውና ኣብ ምምካትን ምዕባለ ኣብ ምትብባዕን ናይ ለውጢ ስጉምትታት ክወስዳ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ /IMF/ ክፍፅምኦም ዘለወን ዝበሎ ናይ መፍትሒ ሓሳባት ኣቕሪቡ'ሎ።ኣንፃር ብልሽውና ምግጣም፣ስሉጥ ቁጠባዊ ዕብየት ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ዕብየት ንዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ተጠቃሚ ዝገብር ክኸውንን እቲ ትካል ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውፅኦ ሪፖርት ይገልፅ።

ቁጠባ ዓለም ገጢሙዎ ዘሎ ብድሆ’ውን ኣብቲ ሪፖርት ዘርዚሩ’ሎ።ለውጢ ሚዛን ስነ ህዝቢ፣ቕልጡፍ ለውጢ ቴክኖሎጂን ኣብ ዙሪያ ዓለም ይርአ ዘሎ ቁጠባዊ ውህደትን ገሊኦም ፈተናታት ክብል’ቲ ትካል ኣፍሊጡ’ሎ።

ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ዓለምለኸ ምትሕብባር ካብ ዘድልዮም ዛዕባታት ድማ ኣንፃር ብልሽውና ዝግበር ግጥምን ኩነታት ለውጢ ኣየርን ገሊኦም እዮም ኢሉ ።

ንሰበስልጣን ካልኦት ሃገራት ብላዕ(ጉቦ) ኣብ ልዕሊ ዝህባ ኩባንያታት ዝውውር ገንዘብ ብዝምልከት መንግስታት ስጉምቲ ክወስዳ እቲ ሪፖርት ጸዊዑ'ሎ።