ቀ/ሚን ደባይ ተዋጋእቲን ኣብ ክልል ኦሮምያ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ቅትለት ይካሰሱ

እቲ ዳሕረዋይ ‘ጭፍጨፋ’ ካብ ኣዲስ ኣበባ 250 ኪ.ሜትር ርሒቓ ኣብ ትርከብ ቁሸት ቄለም ወለጋ ከምዝተፈጸመ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘውጸኦ መግለጺ ይሕብር።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላትን ‘ጭፍጨፋ’ ክብሉ ንዝገለጽዎ ቅትለት፣ እቲ ዝተፈንጨለ ዕጡቅ ሓይሊ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ እዩ ፈጺምዎ ኢሎም ይኸሱ።

ቀ/ሚ ኣብይ"ካብ መጥቓዕቲ ሰራዊት መንግስቲ ዝሃደሙ ኣባላት ጉጅለ ሸኔ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምዕራብ ወለጋ መጥቓዕቲ ፈጺሞም፣ ህዝቢ ቄለም ወለጋ ተጨፍጪፉ እዩ" ኢሎም።

ነዚ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቀርብ ክሲ ዝነጸገ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኦዳ ታርቢል ግና "ነቲ ማሕረድቲ" ክብል ዝገለጾ ተግባር ዝፈጸሙ መንግስቲ ዘዋፈሮም ሚልሻታት'ዮም፣ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ፌደራላዊ ሰራዊት ድማ ነቲ ተግባር ንምቁጽጻር ዝወሰድዎ ስጉምቲ ኣይነበረን" ይብል።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ እዚ ተጋራጫዊ መግለጺታት’ዚ ግና ብሳልሳይን ናጻን ወገን ንምርግጋጽ ከምዘይተኸኣለን ወሃቢ ቃል መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ርእይቶ ንክህበሉ ዝተኻየደ ጻዕሪ'ውን ከምዘይሰለጠ ይገልጽ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ለገሰ ቱሉ ብወገኖም ጽጹይ ሓበሬታ ኣይሃቡን። ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ፣ ብዝሒ ዝተቀትሉ ሰላማዊያን ሰባት ኣይጠቀሰን። ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝቆመ ማሕበር ተወላዶ ኣምሓራ ግና እቶም ዝተቀትሉ ካብ 150 ክሳብ 160 እዮም ዝብል ግምት ይህብ።

ቀ/ሚ ኣብይን እሙናት ሓይልታቶምን ውግእ ናይ ትግራይ ንከብቅዕ ድልየቶም ከምዝኾነ ዋላ’ውን እንተገለጹ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘሎ ምፍሳስ ደም፣ ኣብ መላእ’ታ ሃገር ዝፍጠር ዓሌታዊ ጎንጺ፣ ንጻዕሪታት ምቁራጽ ግጭት ሕድ ሕድ ስግኣት ኮይኑ ከምዘሎ ሓባሪ እዩ።