ዋሽንግተን —
ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ዝመርሑዎ ጉጅለን ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ዝገብሮ ዘሎ ፅምዶ ሎሚ እውን ቀፂሉ’ሎ።
HE PM Abiy Ahmed arrived in Minnesota. He was warmly received by members of Ethiopian community in Minnesota. #Ethiopia-ns of diverse views are coming together in common purpose—because “a house divided against itself cannot stand.” pic.twitter.com/HnlHTfqlog
— Fitsum Arega (@fitsumaregaa) July 30, 2018
እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ዛጊት ኣብ ፅምዶታቶም ፍቕርን ሓድነትን ይቕረ ምብህሃልን ዝብላ ቃላት ብምድግጋም ዲስያስፖራ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ኣወንታዊ ግደ ኣብ ኹሉ መዳይ ክገብሩ ፀዊዖም ኣለው።
ንሶም ሎሚ ሶኑይ ምስ ኢትዮጵያዊያን ነበርቲ ክፍለ ግዝ ኣት ሚነሶታ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም ኣለው።