ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ተመዛበልቲ ጌድኦ በጺሖም፡ መስርሕ ሓገዝ ዝተሰናኸለ ብሰንኪ ጸጥታ’ዩ እውን ኢሎም

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ዞባታት ምብራቕን ምዕራብን ጉጂ ተመዛቢሎም ኣብ ዞባ ጌዲኦ ከተማ ገደብ ንዝተዓቕቡ ተመዛበልቲ በጺሖም።

ቀ/ሚ ኣብይ መስርሕ ሓገዝ ዝተሰናኸለ ብሰንኪ ፀገም ፀጥታ ምዃኑ ገሊፆም።ተመዛበልቲ ብወገኖም ዘለዎም ቅሬታ ገሊፆም ኣለው።

ኣብ ጌዲኦ ተመዛቢሎም ኣብ ከቢድ ፀገም ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተመዛበልቲ ንዝለዓለ ጥምየት ተቓሊዖም ኣለው።ኣደ 10 ቆልዑ ዝኾና ወ/ሮ ውዴ ኣበራ ቆና ካብ ዝነብራሉ ዞባ ምብራቕ ጉጂ ወረዳ ቀርጫ ልዕሊ ክልተ ግዜ ከምዝተመዛበላ ይገልፃ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ንዝለዓለ ጥምየት ከምዝተቓልዓ ይዛረባ።

“ናብዚ ካብ እንመፅእ 10 ህፃናት ሞይቶም ኣለው።ሽዱሽተ ሰብኡትን ክልተ ደቂ ኣንስትዮን እውን ብጥምየት ሞይቶም።ንበልዖ ዋላ ሓደ ነገር የለን።ገንዘብ’ውን የብልናን።ዋላ ሓደ ሰብ ዝሓገዘና የለን።በዓልቤተይ ሞይቱ፤10 ቆልዑት ኣለውኒ።ካበይ ኣምፂኤ’ሞ ከብልዖም? ስጋይዶ ቆሪፀ ክህቦም ኮይነ?”

ንሰን እቶም ህፃናት ነብሶም ወዲኦም ተጎዲኦም ይርከቡ ድሕሪ ምባል ይነብራሉ ዝነበራ ከባቢ ልሙዕ ምስ ምዃኑ ሰሪሐንን ተዓንጊለንን ይነብራ ከምዝነበራ ተዛሪበን።

ካብ ዞባ ምብራቕ ጉጂ ወረዳ ቀርጫ ብተደጋጋሚ ከምዝተመዛበሉ ዝገለፁ ኣቶ ተስፋየ ታምሩ እውን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝገበረሎም ዋላ ሓደ ወገን የለን፤መንግስቲ እውን ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ርእዩ ከምዘይርኣየ ኮይኑ’ሎ ኢሎም።

“ኣጋጢሙና ዘሎ ፀገም ጥምየት እዩ።ንሰርሖ የለን፣ጠሚና።ዝሞተ ሰብ 100 ይኸውን።መደቀሲና እውን እዚ ትርኢዎ ዘለኹም እዩ።ጥር ትብል ሓገዝ እውን ኣይረኸብናን፤ዳኛ የብልናን።”

ኣቶ ተስፋየ ወሲኾም ህፃናት ካብ ጥምየት ብተወሳኺ ብዝተፈላለዩ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ይጥቅዑ ከምዘለው ሓቢሮም።

“ውግእ ኣመዛቢሉና’ሎ።ንበልዖ ኣይንረክብን ዘለና።ብሰንኪ እዚ ኣብፅንኩር ፀገም ኢና ንርከብ።”

እቲ ፀገም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባ ጌድኦ ተዓቑቦም ዝርከቡ 178 ሽሕ ዜጋታት ተመሳሳሊ እዩ።ድምጺ ኣሜሪካ ኣብቲ ከባቢ ብኣካል ተረኺቡ ከምዘረጋገፆ ኣብ ቤት ክርስቲያን ጎቲ ቃለ ህይወት ጥራሕ ልዕሊ 12 ሽሕ ዜጋታት ተዓቑቦም ንሕሱም ጥምየት ተቓሊዖም ምህላዎም አረጋጊጹ’ሎ።

ብሕፅረት መግቢ ኣዝዮም ዝተጠቕዑ ኣዒንቶም ክገልፁ ዘይኽእሉ ህፃናት፣ስኣን ዓቕሚ ካብዝደቀሳሉ ዘይንቀሳቐሳ ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ።ህፃናት ይሞቱ ከምዘለው እውን እቶም ተመዛበልቲ ይዛረቡ።

ሚንስትር ሰላም ኢትዮጵያ ወ/ሮ ሙፈሪያት ካሚል ኣብ ዞባ ጊዲኦ ወረዳ ገደብ ኣዕቑቦም ንዝርከቡ ሰባት ከምዝበጽሓን ንተመዛበልቲ ሓገዝ ከምዝግበረሎምን ገሊፀን ኣለዋ።መንግስቲ ነባሪ ፍታሕ ንምምፃእ የካይዶ ዘሎ ፃዕሪ ኣሐይሉ ክቕፅለሉ እዩ ኢለን።

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዞባ ጌዲኦ ወረዳ ገደብ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዝርከብሉ ኩነታት ተዓዚቦም ኣለው።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ጎጂ ዞን ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ተወለዲ ጌድኦ

እዚ ናይ ትማሊ ሰንበት ምብፃሕ ህዝቢ ጌዲኦ ካብ ምብራቕን ምዕራብ ዞባታት ጉጂ ምምዝባል ካብ ዝጅመር ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ቀዳማይ ሚንስትር መፂኦም ዘይምርኣዮም ይልዓል ንዝነበረ ቅሬታ ዝምልስ ነይሩ ።

ኣብ ወረዳ ገደብ ዝርከቡ ልዕሊ 96 ሽሕ ተመዛበልቲ ወኪሎም ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ተራኺቦም ፣ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዘለዎም ቅሬታ ገሊፆም።

ኣብዚ ኣዚዩ ፀገም ከምዘለኹም መንግስቲ ፈሊጡ’ሎ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ግዚያዊ ሓገዝ ብተወሳኺ ነባሪ መፍትሒ ንምርካብ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ገሊፆም።

“ሎሚ ዝተመዛበለ ፅባሕ ንባዕሉ ምምዝባሉ ኣይተርፍን።ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ።ስለዘይጠቕም ንዕኡ ገዲፍና ናብ ልምዓት ክንኸይድን ነባሪ ፍታሕ ዝመፀሉ ኣገባብ ምስ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ኣባ ገዳታት፣ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ክንመኻኸር ኢና።ምስ መሪሕነት ኦሮሚያን ደቡብ ህዝብታትን ክንመኻኸር ኢና።ነባሪ ፍታሕ ንምርግጋፅ ፃዕሪ ክግበር እዩ።”

ቅድሚ ሎሚ ሓገዝ ንምቕራብ ዘይተኸኣለ ብሰንኪ ፀገም ፀጥታ እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ንዜጋታት ዘመዛበሉን ዝቐተሉን ክቕተሉ ዝገበሩን ናብ ሕጊ ክቐርቡ እዮም ኢሎም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ መፂኦም ስለዝረኣዩዎም እቶም ተመዛበልቲ ኣመስጊኖም ኣለው።

ዝለዓለ ጥምየት ዘጋጠሞምን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡን ኣብ ጉተት ዝርከቡ ተመዛበልቲ ግን መፂኡ ዝርኣዮም በዓል ስልጣን መንግስቲ የለን ክብል ናብቲ ቦታ ዝኸደ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ይሕብር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ተመዛበልቲ ጌድኦ በጺሖም፡ መስርሕ ሓገዝ ዝተሰናኸለ ብሰንኪ ጸጥታ’ዩ እውን ኢሎም