ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረ. ብላድሚር ፑቲን ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም

ፕረዚደንት ሩስያ ብላድሚር ፑቲን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል 2019 ብምኳኖም እንዃዕ ሓጎሰኩ ኢሎም። ንሶም ነዚ ዝበሉ ኣብቲ ሎሚ ኣብ ከተማ ሶሺ ሩስያ ዝተጀመረ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃ ሩስያ ጉኒ ጎኒ ዝተኻየደ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ እዩ።

ፕረዚደንት ፑቲን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ምፍታሕ ምስ ኤርትራ ዝጸንሓ ግጭት ንዘካየድዎ ጻዕርታት “ዝግባእ ሽልማት” እዩ ኢሎም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብቲ ርክብ ኣብ ምሕያል ክልቲኣዊ ቁጠባዊ ዝምድናን ካልኦት ምትሕብባራት ከምዝሰርሑ ገሊጾም ኣለው።

Your browser doesn’t support HTML5

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረ. ብላድሚር ፑቲን ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም

ፕረዚደንት ብላድሚር ፑቲን ሃገሮም ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ዒላማ ዝገበረ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩስያን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ከተማ ሶሺ ብወግዒ ከፊቶም። ንሶም ኣብቲ ዋዕላ ሃገሮም ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ምስ ኣህጉር ኣፍሪቃ ተካይዶ ንግዲ ብዕጽፊ ከምዝውስኽ ሓቢሮም ኣለው።

ኣብቲ ዋዕላ መራሕቲ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ይሳተፉ ከምዘለው ተገሊጹ’ሎ።