ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረ. ብላድሚር ፑቲን ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረዚደንት ሩስያ ብላድሚር ፑቲን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል 2019 ብምኳኖም እንዃዕ ሓጎሰኩ ኢሎም። ንሶም ነዚ ዝበሉ ኣብቲ ሎሚ ኣብ ከተማ ሶሺ ሩስያ ዝተጀመረ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃ ሩስያ ጉኒ ጎኒ ዝተኻየደ ርክብ ክልቲ ኦም መራሕቲ እዩ።