ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ነበርቲ ከተማ ኣክሱም ዘተ አካይዶም

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ነበርቲ ከተማ ኣክሱም ዘተ ኣካይዶም:: እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሓደጋ ኣንፀላልይዎ ኣብ ዘሎ ሓወልቲ ኣክሱም እውን ዑደት ገይሮም:: ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ናብ ክልል ትግራይ ከተማ ኣክሱም ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ብምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣቀባብላ ተገይርሎም::

ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስቲን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝተረኸቡ ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ሓወልቲ ንምርኣይን ኣብቲ ጉዳይ ምስ ህዝቢ ንምዝታይ እዩ ኢለን:: ዶክተር ኣብይ እቲ ሓውልቲ ምስ ርኣዩ ምስ ወከልቲ ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ኩነታት ሓወልቲ ኣክሱምን ሃገራዊ እዋናዊ ጉዳይን ከምዝዘተዩ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ወሲኸን ገሊፀን::

ኣብ እዋን እቲ ዘተ እቶም ነበርቲ ቅርሲ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ዓለም ቅርሲ ዝኾነ ሓወልቲ ኣክሱም ንዘጋጠሞ ሓደጋ መንግስቲ መፍትሒ ከዳልው ሓቲቶም:: ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ እቲ ሓውልቲ ንምፅጋን ምስ መንግስቲ ጣልያን ይዘራረብ ከምዘሎን ኣብ ሓፂር እዋን መፍትሒ ከምዝግበረሉን ሓቢሮም::

ጉዳይ ሕፅረት ዝስተ ማይ እታ ከተማ እውን ካብ ዝተልዓለ ሕቶታት ሓደ እዩ:: ኣብ ከተማ ኣክሱም ሕፅረት ዝስተ ማይ ከምዘሎ ሓበሬታ የብለይን ዝበሉ ዶክተር ኣብይ እቲ ፀገም መንግስቲ ክልል ብዋናነት ክፈትሖ እዩ ዝበሉ ኮይኖም መንግስቲ ፌዴራል ድማ ግድኡ ከበርክት እዩ ኢሎም::

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝገለፅዎ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ዛዕባታት እውን ካብ ነበርቲ ሕቶታት ተላዒሎም ምንባሮም ሓቢሮም:: ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ጠሚቱ ምርጫ ክካየድ ብውልቀ ድልየት ኣለኩም’ዶ ንዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ እቲ ምርጫ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክካየድ ቅዋም ውድቦም ኢህወደግ ምኻኑ ዝገለፁ ዶክተር ኣብይ: ኮይኑ ግና እቲ ውሳነ ቦርድ ምርጫ ሓፈሻዊ ድልውነትን ዴሞክራሲያዊ ንምግባርን ዘለዎ ምድላዋት ብተወሳኺ ካልኦት ኣካላትን ዝውስንዎ ምኻኑ ገሊፆም::

ተወላዶ ትግራይ ብፉሉይ ይእሰሩ ኣለዉ ዝብል ሕቶ እውን መንግስቲ ገበን ፈፂሞም ኢሉ ዝጠርጠሮም እምበር ተወለድቲ ትግራይ ብፉሉይ ኣይኣሰረን ክብሉ መልሲ ሂቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ነበርቲ ከተማ ኣክሱም ዘተ አካይዶም

Your browser doesn’t support HTML5

ነበርቲ ኣኽሱም'ከ ብዛዕባ'ቲ ምስ ቀ/ሚ ኣብዪ ዝነበሮም ልዝብ እንታይ ይብሉ?