ቀ/ ሚ ኣብይ ኣሕመድ ላዕለዎት ደረጃ ትምህርቲ ክረጋግኡ እንተዘይክኢሎም ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ከምዝወስዱ ኣፍሊጦም

  • ገብረ ገብረመድህን

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ መራሕቲ ክልላት፣ ዞባታት፣ ምምሕዳራት ከተማታትን እቲ ሕብረተሰብን ንላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ናብ ምርግጋእ ዘይመልሱወን እንተኾይኖም ክሳብ ምዕፃው ዝበፅሕ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ኣጠንቂቖም።

“ክባረሩ ዝግብኦም 10 ሰባት እንተኾይኖም 10 ሰባት፣ን20 ሰባት ክነወግድ እንተኾይንና ን20 ሰባት፣ፈፂሙ ዝህውኸና እንተኾይንኑ ግን ነቲ ዩኒቨርስቲ ክሳብ ምዕፃው ናይ ምኻድ ስጉምቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና።እዚ ከይኸውን ምምሕዳራት ከተማ፣እቲ ማሕበረሰብ ብሓላፍነት ክሰርሕ ኣለዎ።”

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ዝተዛረቡ ሚንስትር ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርትን እዋናዊ ኩነታት ዩንቨርስታት ብዝምልከት ንመራሕቲ ቦርድ ዩኒቨርስታት፣ናይ ዩኒቨርስቲ ፕረዚዳንታትን ሚንስትራትን ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ እዮም ።ኣብ ዩኒቨርስቲታት ፀገም ይፈጥሩ ኣብ ልዕሊ ዘለው ተማሃሮ መንግስቲ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ እውን ገሊፆም።