ቀዳመይቲ ሚንስተር ብሪጣንያ ተሬዛ መይ ኣብ ኣፍሪቃ ወግዓዊ ዑደት ይገብራ’ላ።
እተን ቀዳመይቲ ሚንስተር ትማሊ ደቡብ ኣፍሪቃ በጺሓን። ሎሚ ኸአ ኣብ ኬንያ ዑደት ይገብራ ከምዘለዋን ምስ ፕረዚደንት ኡ ሁሩ ኬንያታ ተራኺበን ተዘራሪበን ኣለዋ።
እተን ወዳመይቲ ሚንስተር ብሪጣንያ ድሕሪ ምስ ፕረዚደንት ኡ ሁ ሩ ኬንያታ ዝገበረ ኦ ልዝብ ኬንያን ብሪጣንያን ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ሓቢረን ንምስራሕ ከምዝተሰማምዓ ገሊጸን።
ሓደ ካብቲ ስምምዕ ብብልሽውና ካብ ኬንያ ተወሲዱ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ ንብረት ህዝቢ ዝምልከት’ዩ።
Your browser doesn’t support HTML5