ቀ/ሚ ሱዳን ናብ መዝነቶም እንተተመልሱ'ዃ ተቓውሞታት ኣብቲ ሃገር ቀጺሎም ኣለው

  • ዜና ቪኦኤ

ቀዳማይ ሚንስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ድሕሪ ናይ ሰሙናት ዕልዋ ናብ ስልጣኑ ከም ዝምለስ ተገይሩ። ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ብተወሳኺ ንኹሎም በቲ ዕልዋ ዝተኣስሩ ክፈትሖም ቃል እንተኣተወ`ኳ፡ ናይ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ግን ንደሞክራሲ ሰልፍና ክንቅጽል ኢና ይብሉ`ለዉ።

ሱላይማ ኻሊፋ፡ ኣብ ሱዳን ተቓላሲት ሰብኣዊ መሰላት ክትከውን ከላ፡ እቲ ዝተገብረ ስምምዕ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ኣይቅይሮን`ዩ ትብል። ቀዳማይ ሚንስተር ሓምዶክ ሕጂ`ውን ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ`ዩ ዘሎ፡ ስለዚ ነዚ ውዕል ንምግባር ምኽንያታዊ ኣይኮነን ትብል ።

ቀዳማይ ሚንስተር ዓበደላ ሓምዶክ ናብ ስልጣኑ ክምለስ ምስ ወተሃደራዊ መራሒ`ታ ሃገር ኣብ ስምምዕ እንተበጽሐ`ኳ ትማሊ ሰንበት`ውን ኣብ እዋን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ኦምዱርማን ሓደ መንእሰይ ብጥይት ተቐቲሉ`ዩ ። ድሕሪ ዕልዋ 41 ሰባት ሙሟቶም ይግለጽ።