ሶማል: ኣብ ኣፍሪቃ ብናጽነት ፕረስ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከምትርከብ ተገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ሶማል ኣብ ኣፍሪቃ ብናጽነት ፕረስ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከምትርከብ ተገሊጹ። ሰበስልጣን ሶማል ዝመጽእ ምርጫ ቅድሚ ምክያዱ ንጋዜጠኛታት ክሕግዙ ተሓለቕቲ ይፅወዑ ኣለው።

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሰበስልጣን ንሰለስተ መራኽቢ ማዕኸናት ብምውራር ንኣስታት 30 ጋዜጠኛታት ኣሲሮም።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ፖሊስ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ስራሕ ንዝነበሩ ክልተ ጋዜጠኛታት ተኲሱ ኣቑሲሉ። ብመሰረት ኣብ ሞቓድሾ ዝመደብሩ ንሚዲያ ዝሕለቕ ጉጅለ (Somali Journalists Cyndicate) ኩሎም ተግባራት ብናይ መንግስቲ ኤጀንሲ ስለያን ድሕነትን ዝተፈፀመ እዮም ኢሉ ኣሎ።

ብኻልእ ዜና ድማ ኣብ ኡጋንዳ ጋዜጠኛታት ስርሖም ኣብ ዘስርሕሉ እዋን መጥቓዕቲ ከምዘጋጥሞም ገሊፆም። ክልተ ጋዜጠኛታት ከምዝሓበሩዎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተፈጥረ ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌትሪክ ንዝተልዓለ ተቓውሞ ሸፈነ ክህቡ ኣብዝፈተንሉ እዋን ከምዝተቐጥቀጡ ገሊፆም።

ካልኦት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ'ውን ኣብ ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ከምዝተቐጥቀጡ ተሓቢሩ'ሎ።