ሶማል ምልዓል ማዕቐብ ኣብ ምምካት ግብረሽበራ ኣገዳሲ ምዃኑ ትገልጽ
Your browser doesn’t support HTML5
ሶማል ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ ማዕቐብ ኣፅዋር ንኽለዓል ትገብሮ ዘላ ጎስጓስ ደገፍ ይረክብ ኣሎ።ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ነዚ ስጉምቲ ደጊፈን ኣለዋ።
ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ንገለ ክፍሊ’ቲ ማዕቐብ ንምሕዳሱ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ሕዳር ድምፂ ክህብ መደብ’ሎ። ሶማል ግን ንኣሸበርቲ ኣልሸባብ ብዝሓሸ መንገዲ ንምውጋእ መታን ኽትክእል እዚ ማዕቐብ ክለዓል ኣለዎ በሃሊት’ያ።