ሶማል ምልዓል ማዕቐብ ኣብ ምምካት ግብረሽበራ ኣገዳሲ ምዃኑ ትገልጽ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ሶማል ምልዓል ማዕቐብ ኣብ ምምካት ግብረሽበራ ኣገዳሲ ምዃና ትገልጽ

ሶማል ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ ማዕቐብ ኣፅዋር ንኽለዓል ትገብሮ ዘላ ጎስጓስ ደገፍ ይረክብ ኣሎ።ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ነዚ ስጉምቲ ደጊፈን ኣለዋ።

ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ንገለ ክፍሊ’ቲ ማዕቐብ ንምሕዳሱ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ሕዳር ድምፂ ክህብ መደብ’ሎ። ሶማል ግን ንኣሸበርቲ ኣልሸባብ ብዝሓሸ መንገዲ ንምውጋእ መታን ኽትክእል እዚ ማዕቐብ ክለዓል ኣለዎ በሃሊት’ያ።

ኢትዮጵያ ነዚ ዝደገፈቶ እስላማዊ ሚሊሽያታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ብዙሕ ዘይዝውቱር መጥቃዕቲ ድሕር ምፍፃሙን ነዚ ምላሽ ድማ ሶማልን መሻርኽታን ኣንፃር’ዚ ጉጅለ ዓብይ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዶምን'ዩ።