ስፔን: ኣብ ሰራሕተኛታት ህንጻን ፋብሪካን ደረት ምዕጻው ከተፍኩስ ጀሚራ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ኣብ ዓለም ካብ መንጎ ብቫይረስ ኮሮና ዝያዳ ዝተሃሰያ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ስጳኛ፥ ኣብ ሰራሕተኛታት ህንጻን ፋብሪካን ደረት ምዕጻው ከተፍኩስ ጀሚራ። ደቡብ ኮርያ`ውን ደረት ውሸባ ክተፈኩስ ትደናደን ኣላ።

ፕረዚደንት ትራምፕ`ውን ንጥፈታት ቁጠባ ኣሜሪካ ንምኽፋት ዝተሃንጠዩ ይመስሉ።

ፓርላማ ሰሜን ኮርያ ብዘይ ምፍንታት ኣኼባ ከምዝገበረት ተገሊጹ።

ኣብ ሶማል ድማ ሓደ በዓል-ስልጣን ብቫይረስ ኮሮኖ ሞይቱ።

ስጳኛ፥ ሰራሕተኛታት ህንጻን ፋብሪካን ናብ ስራሕ ክምለሱ ብምፍቃድ ገለ ደረታት ኮሮናቫይረስ ኣፍኩሳ’ላ።እንተኾነ እቲ ለበዳ ገና ስለዘሎ፡ እቶም ሰራሕተኛታት እቲ ዝጸንሐ መከላኸሊ መሳርሕታት ክጥቀሙን ናይ ክልተ ሜትሮ ምፍንታት ከተግብሩን የድልዮም።

ስጳኛ ካብ መንጎ ቀንዲ ብኮሮናቫይረስ ዝተሃርማ ሃገራት ሓንቲ ክትከውን ከላ፡ 165ሺሕ ተታሒም 17 ሺሕ ሞይቶም ።

ቀዳማይ ሚንስተር ፐድሮ ሳንቸዝ፥ ዝውሰድ ስጉምቲ ነቲ በቲ ቫይረስ ዝተጎድአ ኤኮኖሚ'ውን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን'ዩ ኢሉ።መንግስታት ዓለም እቲ ናይ ገዛ ምዕጻው ንኽንደይ ከምዝቕጽልን፡ ኤኮኖሚ ሃገራቶም ኣብ ምብርባር ክውሰድ ዝግብኦ ስጉምትታን ኣብ ምምዝዛን'ዮም ዘለዉ።

ቁጽሪ ሓደሽቲ ዝተሓዙ ብቀጻሊ ዝወርዱላ ዘለዉ ደቡብ ኮርያ፡ ማሕበራዊ ምፍንታት ኣብ ግምት ዘእተወ ምፍቃድ ገለ ኤኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ዝምልከት ሓዲሽ መምርሒ ንምውጻእ ሰበ-ስልጣና ይዛተዩ ኣለዉ። ሎሚ ሰኑይ 25 ሓደሽቲ ዝተታሕዙ'ያ ኣፍሊጣ ዘላ።

ናይ ኣሜሪካ ፕረዚ ደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ናብ ንቡር ኤኮኖሚያ ምንቅስቓስ ንምምላስ ተሃንጥዩ'ዩ ዘሎ።

ሰበ ስልጣኑ ኩሉ ሰብ ክሳብ መወዳእታ'ዚ ወርሒ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ይመኽሩ'ለዉ፥ ኣመሓደርቲ ኩለን 50 ግዝኣታት ከኣ ብዘይካ ድኳናትን ቦታታት ኣካላዊ ምንቅስቓሳትን ካልእ ኩሉ ይተዓጾ ዝብል መምርሕታት'ዮም ዘሕልፉ ዘለዉ።

ላዕላዋይ ክኢላ ተላገብቲ ሕማማት ዶ/ር ኣንቶኒ ፋውቺ ምስ CNN ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ

ገለ ካብቶም ደረታት ምዕጻው ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ ግንቦት ክኽፈቱ ይኽእሉ'ዮም- ተስፋ ንገብር ኢሉ ።

ዶ/ር ፋውቺ ኣገዳሲ ነገር ነቲ ክትሓዝ ዝኽእል ሰብ ቀልጢፍካ ኣላሊኻ ከምዝውሸብ ብምግባር፡ ዝተፈላለየ ከባባታት ዘለውኦ ኩነታት ደረጃ`ቲ ቫይረስ ብምርኣይን ናይ ምኽፋት ስጉምትታት ክውሰድ ከምዝኽእል ኣሚቱ'ሎ ።

ብኻልእ ወገን ቻይና ሕጂ ድማ ወሰኽ ግዳያት ኮሮናቫይረስ ትሕብር ኣላ። ቻይና ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ሎሚ ሰኑይ ዝበዝሐ ቁጽሪ ኣፍሊጣ-ብዙሓት ካብኣቶም ካብ ደገ ዝኣተዉ'ዮም'ውን ትብል።

ብኻልእ ወገን ኮሮናቫይረስ ዝሓመመ የብለይን ትብል ሰሜን ኮርያ ሎሚ ኣኼባ ፓርላማ ኔርዋ፡ ብመሰረት ጸብጻብ መንግስታዊ ሚድያ ሰሜን ኮርያ፡ ኣባላት ፓርላማ ማስኪራ ኣይተሸፈኑን ተፈናቲቶም'ውን ኣይተቐመጡን። መራሒኣ ኪም ዮንግ ኡን ኣብቲ ናይ ፓርላማ ኣኼባ ኣይነበረን። ሰሜን ኮርያ ኮሮናቫይረስ የብለይን ምባላ፥ ወተሃደራዊ ጀነራል ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣይኣምኖም።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ድማ ካልኣይ ሰብ ብኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምሟቱ ከተማ ሞቓዲሾ ናብ ሕላፍ ሰዓት ኣዋጅ ኣታያ። ኮማንደር ፖሊስ ሶማል ጀነራል ኣብዲ ሓሰን መሓመድ ብዘይካ መግቢ ዝሸጡን ሆስፒታላትን ኣብያተ-መድሃኒትን ኩሉ ሰብ ካብ ሰዓት 8 ናይ ምሸት ክሳብ 5 ንግሆ ከይንቀሳቐስ ኣዚዙ- ።


ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሓደ ኣባል ዞባዊ ባይቶን ሚንስተር ፍትሒ ምምሕዳር ሒርሻበለን`ዩ። ኣብ ከተማ ጃውሃር ዝሓመመ ወዲ 69 ካሊፍ ጣሆው፥ ኩሉ ምልክታት ኮቪድ -19 ምስተራእዮ ናብ ሞቃዲሾ ምስ ተወስደ ኣብኡ ከምዝዓረፈ ሚንስተር ጥዕና ግዝኣት ሒርሻበለ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።


መንግስቲ ሶማል ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ናብ 25 ከምዝደየቡ ኣፍሊጡ`ሎ።


ኣብ ዙርያ ዓለም ክሳብ ሎሚ ሰኑይ 1.85 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ኮይኖም ካብኣቶም 114 ሺሕ ሞይቶም። ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካጥራይ 550 ሺሕ በቲ ቫይረስ ተታሒዞም-፥ ዝሞቱ ልዕሊ 22 ሺሕ በጺሖም ኣለዉ።