ስጳኛ: ኢጣልያ ኣብ ወደባታ ከይትዓርፍ ንዝኸልከለታ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ከምትቅበል ኣፍሊጣ

ቀዳማይ ሚንስትር ስጳኛ ፐድሮ ሳንቹዝ ሎሚ ሶኑይ ነታ ኢጣልያን ማልታን ኣብ ወደባተን ከይትዓርፍ ን ን ን ንዝኸልከላኣ 600 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ወደባት’ታ ሃገር ክትዓርፍ ምፍቓዶም ገሊጾም።

ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቪኒ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ኣስታት 600 ስደተኛታት ዝጸዓት ጀልባ ኣብ ወደባት’ታ ሃገር ከይትዓርፍ ምኽልካሉ ተገሊጹ።

መራሒ የማናዊ ሊግ ፓርቲ ዝኾኑ ማትዮ ሳልቪኒ ንዋሕዚ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ደው ንምባል ብዘካየዶ ዘሎ ወፍሪ ነታ ዋንነታ ናይ “ሓካይም ብዘይዶብ” ዝኮነት ስደተኛታት ዝጸዓት ጀልባ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ከይትዓርፍ ምክልካሉ ተሓቢሩ’ሎ።

Your browser doesn’t support HTML5

ስጳኛ ኢጣልያ ኣብ ወደባታ ከይትዓርፍ ዝኸልከለታ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ከምትቅበል ኣፍሊጣ

እታ መርከብ 123 አላይ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፡11 ካልኦት ህጻናትን ነፍሰጾር ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብዎም 629 ስደተኛታት ጽዒና ምንባራ ተፈሊጡ’ሎ።

አባላት እታ መርከብ ነቶም ስደተኛታት ንተወሳኺ ሓደ መዓልቲ ክምግቡ ዘኽእል መግቢ ከምዘለዎም እንተገለጹ እኳ ብዓለምለኸ ሕጊ መሰረት ኢጣልያ እታ መርከብ ኣብ ወደባ ከይትዓርፍ ናይ ምክልኻል መሰል ከምዘይብላ ብተወሳኺ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ምትሕብባሮም ተፈሊጡ’ሎ።

ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ንኣስታት 280 ስደተኛታት ካብ ሰለስተ ዝተፈላለየ ቦታ ብምድሓን ናብታ መርከብ ምግዕዓዞም’ውን ይፍለጥ።

ሳልቪኒ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ንዝብገሱ መራኽብ ኢጣልያ ጥራይ ክትቅበሎም የብላን፡ ማልታ’ውን መራኽብ ኣብ ወደባታ ክዓርፉ ከተፍቕድ ኣለዋ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚንስትር ማልታ ጆሴፍ ማስካት ግን ንናይ ኢጣልያ መዘነኦም ጁሰፐ ኮንተ እታ መርከብ ኣብ ወደባት ሃገሮም ክትዓርፍ ከምዘይተፍቕድ ሓቢሮም’ዮም።

ስጳኛ ነቶም ስደተኛታት ዝጸኦኣነት መርከብ ንምቕባል ምፍቓዳ እንተተገልጸ’ኳ ክሳብ ሕጂ ካብ አባላት “ሓካይም ብዘይ ዶብ” ብዛዕባ ምብጋስ እታ መርከብ ናብ ስጳኛ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።