ስድራ ኣብ ተቓውሞ ሰልፊ ዝተቐትለ ሱዳናዊ ፍትሒ የናድዩ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ስድራ ኣብ ተቓውሞ ሰልፊ ዝተቐትለ ሱዳናዊ ፍትሒ የናድዩ

ሱዳን ኣብ ፖለቲካዊ ደውታ ትርከብ። ነዊሕ ትፅቢት ዝተገብረሉ ናብ ስቪላዊ መንግስቲ ምስግጋር ነታ ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ወታሃደራዊ መንግስቲ ስልጣን ኣይሓድግን ስለዝበለ ገና ግብራዊ ኣይኮነን። ኣንፃር ወታሃደራዊ ምምሕዳር ዝቐፀለ ተቓውሞ ብሓይሊ ተገቲኡ ልዕሊ 100 ተቓውምቲ ሞይቶም። ሄንሪ ዊልኪንስ ኣብ ለካቲት ምስ ስድራ ሓደ ኣብቲ ተቓውሞ ዝተቐተለ ዜጋ ተራኺቡ ኣሎ።

ማዙብ ሂብራሂም ኣል- ኣሚን ወላዲ ኣቦ ብጥይት ፖሊስ ሱዳን ናይ ዝተቐትለ ወዲ 14 ዓመት ኢብራሂም ማዙብ እዩ።ንሱ 28 ለካቲት 2023 ንዲሞክራሲ ንምድጋፍ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ እዩ ተቐቲሉ።

ፖሊስ ነቲ ወዱ ተኲሱ ከቐትሎ ከሎ ዘርኢ ቪዲዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ብምውፅኡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፖሊስ ቁጥዐ ኣለዓዒሉ እዩ።

ማዙን ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ነቲ ቪዲዮ ከምዝሃቦን ብሰንኪ ናይ ድሕንነት ስግኣት መንነቱ ክዕቀበሉ ከምዝመረፀን ይዛረብ።

ሓይልታት ፀጥታ ንወዱ ንሰሙናት ይከታተሉዎ ከምዝነበሩ ማዙብ ይዛረብ። ወታሃደራዊ ውልቀ መላኪ ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ ጥቅምቲ 2021 ጀሚሩ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ናይቲ ከባቢ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣተሓባባሪ ብምዃን ኣብ ካርቱም ብተደጋጋሚ ተረኺቡ ነይሩ። ማዙብ ኢብራሂም ዒላማ ኮይኑ እዩ ይብል ።

ዓቀብቲ ሕጊ ሚዛናዊያንን ፍትሓዊያንን ምዃኖም ንዓለም ከርእዩ ፅቡቕ ኣጋጣሚ እዩ። እዚ ፍፁም ገበን እዩ። ሓደ ፖሊስ ደድሕሪ ቆልዓ እናሰዓበ ኣፍልቡ ብጥይት ወቒዑ ክቐትሎ ገበን እዩ። ዘስካሕክሕ ምርኢት እዩ። ኩሉ ዓለም ርእይዎ'ዩ። መንግስቲ ነዞም ገበናት ደው ከብሎም ነይሩዎ ኢሉ።

ሰበስልጣን ሱዳን እቲ ንኢብራሂም ዝቐተለ ፖሊስ ከምዝተኣሰረን ፍርዲ ከምዝረክብን ይገልጹ።

መንግስቲ እታ ሃገር ናብ ስቪላዊ ምሕደራ ክትምለስ ካብ ተቓወምትን ብኣመሪካ ዝምራሕ ገለ ኣባላት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ፀቕጢ የጋጥሞ ስለዘሎ መብዛሕቲኦም ስራሕ መንግስቲ ደው ኢሎም ኣለው።

ሚንስትር ፋይናንስ ሱዳን ጂብሪል ኢብራሂም እቲ ሰራዊት ስልጣን ከረክብ እንተኾይኑ ጥርጣረ ኣለዎ።

"እቲ ወታሃደራዊ መዝነት ስልጣን ክሓድግ እንተኾይኑ ኣይፈልጥን።ከምኡ ይብሉ ኣለው።ሰነዳት ይፍርሙ'ኳ እንተሃለው ሓቂ ክኸውን ግን ኣይኽእልን።"

ካብ ወታሃደራዊ መሪሕነት ርእይቶ ንምርካብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ኣብ ዋሽንግተን ዝመደብሩ ማእኸል ስትራተጂያዊን ዓለምለኻዊን መፅናዕትታት ተንታኒ ዝኾነ ካሜሮን ሃድሰን ብዙሓት ዕንቅፋታት ክሕለፍ ኣለዎ ይብል።

"ኣብቲ መስርሕን ሕፁያትን ክሰማምዑ ኣይክኣሉን። ግደ እቲ ሰራዊት እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓዊሱ ንገሊኦም ዘይተፈትሑ ጉዳያት ንምፍታሕ ዝተናውሑ ኣኼባታት ክካየዱ ንርኢ ኣለና። ንሕሉፋት ገበናት ፍትሕን ተሓታትነትን ሓዱሽ ሕገ መንግስትን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ዛዕባታት ኣለው።"

ወላዲት ኣዲኡ ንኢብራሂም ናዋል ኣል- ኪር ኦትማን ግን እቲ ደውታ እንተተፈትሐ እውን ንውላዳ ዝመልስ ኣይኮነን ትብል። ኣብ ቅድሚኡ ብዙሕ ተስፋ ዝፅበዮ ምዃኑ መምህራኑ ብዙሕ ግዜ ከምዝነገሩዋ ትገልፅ።

እቲ ፀብፃብ ዝርብሽ ምስልታት ዝሓዘ ምዃኑ ክነዘኻኽር ንፈቱ።