182 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ትካል ግብረ ሰናይ ኣብ ገማግም ኢጣልያ ክትዓርፍ ተፈቒዱላ

Your browser doesn’t support HTML5

ኦሻን ቫይኪንግ ትበሃል ኣብ ትሕቲ ባንዴራ ኖርወይ ትጉዓዝ መርከብ ብትካል ግብረ ሰናይ ሓካይም ብዘይ ዶብ ትውነን ኮይና በኣርባዕተ ጉጅለ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 182 ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ክትዓርፍ መንግስቲ ኢጣልያ ምፍቓዱ ተገሊጹ። 35 ካብቶም ስደተኛታት ኣብ ማያዊ ግዝኣት ማልታ ዝደሓኑ ብምዃኖም ናብ ማልታ ዝተወስዱ ምዃኖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።