217 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም ማልታ ምእታዎም ተገሊጹ

ወታሃደራዊ ሓይሊ ማልታ 217 ስደተኛታት ካብ ዝጥሕላ ዝነበራ ክልተ ጀላቡ ብምድሓን ናብ ማልታ ምእታዎም ገሊጹ።

እቶም ስደተኛታት ብሰንበት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ክኾኑ ከለው እቶም ቀዳሞት 120 ስደተኛታት ድሕሪ ምድሓኖም ቁሩብ ሰዓታት ካልኦት 97 ምድሓኖም ወታሃደራዊ ሓይሊ ማልታ ሓቢሩ።

ጉዳይ ስደተኛታት ንሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ክልተ ከፊሉ ኣብ ዘሎ ሕጂ እዋን ቁጽሪ ማእለካይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ዝበጽሑ ስደተኛታት ምጉዳሉ ይግለጽ ኣሎ።

Your browser doesn’t support HTML5

217 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም ማልታ ምእታዎም ተገሊጹ

ይኹን ደአ እምበር ማልታን ኢጣልያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝንቀሳቀሳ ሓገዝ ወሃብቲ መራኽብ ኣብቲ ባሕሪ ከይንቀሳቀሳ ድሕሪ ምኽልካለን ቁጽሪ ካብ ሊብያ ተበጊሶም ማእከላይ ባሕሪ ንምቁራጽ ዝፍትኑ ስደተኛታት ክብ ምባሉ ይገልጽ ኣሎ።