ሴካፋ: ብምኽንያት ሞት ኤርትራዊ ዓለምለኻዊ ዳኛ ነበር ኣቶ ተስፋይ ገ/የሱስ ሓዘኑ ገሊጹ

ዋና ጸሓፊ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ምብራቕን ማእከላይ ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ኒኮላስ ሙሱንያ እቲ ማሕበር ብሞት ህቡብ ኤርትራዊ ኣህጉራዊ ዳኛ ኣቶ ተስፋይ ገብረየሱስ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ገሊጹ።

ዋና ጸሓፊ ሴካፋ ኒኮላስ ሙሱንያ ኣብ ናይ ሓዘን መግለጺኡ: ሞት ኣቶ ተስፋይ ነቲ ዞባ ዓብይ ኪሳራ’ዩ ድሕሪ ምባል “ንሕና ስድራ ሴካፋ ካብ ጥበብን ኣመራርሓን ኣቶ ተስፋይ ብዙሕ ከሲብና ኢና። መራሒን አቦን ኢና ከሲርና። ንስድራ ቤቱ ምጽንናዕ ንምነ” ድማ ኢሉ።

ኣባል ፊፋን ፕረዚዳንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራን ዝነበሩ ኣቶ ተስፋይ ገብረየሱስ ብዝሓደሮም ሕማም ዓርቢ ነሓሰ 23 ኣብ መበል78 ዕድሚኦም እዮም ዓሪፎም። ስነ ስርዓት ቀብሮም ድማ ትማሊ ሰንበት ኣብ መቓብር ሓዝሓዝ ኣስመራ ተፈጺሙ።

ኣቶ ተስፋይ ገብረየሱስ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ዓለምለኸ ዳኛ ኮይኖም ኣብ ፊፋን ካፍን ኣሰልጣኒ ዓለምለኸ ዳኛን ረዚደንት ሴካፋን ብምዃን ኣገልጊሎም።

ኣቶ ተስፋይ ኣህጉራዊ ዳኛ ኮይኖም ኣብ ዝሰርሑ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ናይ ፍጻሜ ጸወታ ዋንጫ ኣፍሪቃ 1970: ኣብ ኣርጀንቲና ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም 1978ን ውድድር ኦሎምፒክ ሎስ ኣንጀለስ 1984 ምምርሖም ይፍለጥ።