ሱዳን፡ ወታሃደራዊ ኣዘዝቲን ተቓወምቲን ስልጣን ናይ ምምቕራሕ ስምምዕ ከቲሞም

ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ጥምረት ተቓወምትን ትማሊ ሰንበት ስልጣን ናይ ምምቕራሕ ስምምዕ ኸቲሞም።

እቲ ስምምዕ ኣመልኪቶም ምክትል እቲ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን መሓመድ ሓምዳን ዲያሎ ከምዚ ኢሎም።

“ ናብዚ ልዝብ ዝኣተና ከም መሻርክቲ ሃገራዊ ፍታሕ ኢና። ብሓደ ኾይና ኢና ጌርና’ዩ። ኹልና ሓሳብና ብዛዕባ ሱዳን’ዩ። ኹልና ተዓዊትና አለና። ዝሰዓረ ኾነ ዝተሳዕረ የለን” ኢሎም።

መራሒ ጥምረት ተቓወምቲ ንናጽነትን ለውጢን ዑመር አል ዳግያር ኸአ “ እዚ ሕጂ ዝተፈረመ ሕገ መንግስታዊ አዋጅ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ሓድሽ ምዕራፍ ከፊቱ’ሎ። ነቲ ሰውራ’ውን ዓብይ መሰረት ኣቐሚጡ’ሎ። ባይታ ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ ፈጢሩ’ሎ። ነዚ ንምዕዋት ሱዳን ደም ክቡራት ደቃ ከፊላ’ያ። ቐዳምነት መሰጋገሪ መንግስቲ ብግልጹነት ነቲ ዝተፈጸመ ቅትለታት መርሚርካ ናብ ፍርዲ ምቕራብ’ዩ” ኢሎም።

ክልቲኦም ወገናት ብሓባር መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስምማዖም ይዝከር።