ሱዳን ምስ ሊብያን ማእከላይ ኣፍሪቃን ዘዋስን ዶባታ ዓጽያ

መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ብሰንኪ ቁጠባዊን ጸጥታዊን ስግኣት ምስ ሊብያን ማእከላይ ኣፍሪቃ ዘዋስን ዶባት’ታ ሃገር ብቅልጡፍ ክዕጸው ወሲኑ’ሎ ።

ቤት ምኽሪ ሉአላዊነት ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ዶባት ክልቲኦም ሃገራት ዝንቀሳቀሱ ተሽከርከቲ ጎነጽ ኣብ ምልዕዓል ተሳቲፎም እዮም ዝበለ ኽኸውን ከሎ ነቲ ስግኣት ዝበሎ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

እዚ መግለጺ ዝተዋህበ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ምስ መንግስቲ ደቡብ ዳርፉር ዘካየዶ ልዝብ ስዒቡ’ዩ።

እዚ መግለጺ ሱዳን ምስ ቻድ ዘዋስን ዶብ ኣይረቑሓን ሱዳን ን ቻድን ናይ ጸጥታ ስምምዕን ሓለዋ ዶብን ከምዘለወን ይፍለጥ።