ሱሉሳዊ ዘተ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዳግማይ ምጅማሩ ተገሊጹ

  • ገብረ ገብረመድህን

ኣብ ዙሪያ ግድብ ዓብይ ህዳሴ ኢትዮጵያ ተቋሪፁ ዝነበረ ልዝብ ንምቕፃል ኢትዮጵያ፣ግብፂን ሱዳንን ትማሊ ምስምምዐን ተፈሊጡ።ኣብቲ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ ዓርቢ ልዝብ ንምክያድ መደብ ከምዝተትሓዘ ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣማባሳደር ዲና ሙፍቲ ድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

Your browser doesn’t support HTML5

ሱሉሳዊ ዘተ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዳግማይ ምጅማሩ ተገሊጹ

እቲ ልዝብ ዝተቋረፀሉ ምኽንያት ኢትዮጵያ ምምላእ ማይ ናይቲ ግድብ ብዝምልከት ንዘቕረበቶ ንድፊ ግዜ ወሲድና ንርኣዮ ዝብል ብሱዳን ንዝቐረበን ግብፃዊያን እውን ስለዝደገፉዎን ንሕና እውን ክፋእ የብሉን ኢልና ስለዝተሰማማዕና እዩ ኢሎም።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኢትዮጵያ ካብቲ ልዝብ ትፅቢት ትገብሮ ንታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ዘይጎድእ፣ንኢትዮጵያን ዝጥቀምን ኩሉ ተረባሒ ዝኾነሉን ብሰላም ክዛዘም እዩ ድልየታ ኢሎም።