ሱሉሳዊ ዘተ ኢትዮጵያ ግብጺን ሱዳንን ኣብ ግድብ ህዳሴ ብዘይፍረ ተበቲኑ

ወከልቲ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን፣ ኣብ ኮንጎ ኪንሻሳ የካይድዎ ዝነበረ ልዝብ ኣብ ዝተቋረጸሉ ሰዓት፣ "ኣብ ገጽ ኩሎም እቶም ተላዘብቲ፣ ሕርቃንን ብስጭትን ይራኣይ ከምዝነበረ" ኣብ’ታ ከተማ ዘላ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ኣናስታሲ ቱዴሺ ገሊጻ። ኣብ ሰለስቲኦም ወገናት ዝተንጸባረቀ ናይ ምጥቅቃን መንፈስ ምኳኑ ካብ ዝሃብዎም መግለጺታት ምርኣይ ይካኣል ኢላ።

Your browser doesn’t support HTML5

ሱሉሳዊ ዘተ ኢትዮጵያ ግብጺን ሱዳንን ኣብ ግድብ ህዳሴ ብዘይፍረ ተበቲኑ

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ብሰንኪ ማይ ኣባይ፣ ኣብ’ቲ ዞባ ናይ ግጭት ሓደጋ ከይሕይል፣ ኩሎም ወገናት ኣፈላላዮም ብመንፈስ ምትሕብባር ንክዘራረቡ መተባብዒ ይቀርብ ኣሎ።

ንወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ዝቀረበ ሕቶ "ግብጺ ንኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ተገዳስነት ዝጎደሎ ልዝብ ከምዝነበረ"ብምጥቃስ ኣማሪራ ኣላ። ናይ መወዳእታ ዕድል’ውን ኢላ'ላ። ዲፕሎማሲ ክሳዕ ክንደይ ክዕወት እዩ? ዝብል ሕቶ ቀሪቡሉ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት "እንካ ሃባን ልዝብን ዘለዎም ረብሓ ምጉላህ ኣገዳሲ እዩ። ኩለን ሃገራት ኣብ ልዕሊ’ቲ ጉዳይ ንክሰማማዓ ክነተባብዐን ንደሊ። ኣብ’ቲ ልዝብ ስለዘይነበርና ግና፣ ጸግዒ ሒዝና ንዛረበሉ ዕድል ክህሉ ኣይኽእልን"ዝብል መልሲ ሂቡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

Your browser doesn’t support HTML5

ሱሉሳዊ ዘተ ኢትዮጵያ ግብጺን ሱዳንን ኣብ ግድብ ህዳሴ ብዘይፍረ ተበቲኑ