ሱሉሳዊ ዘተ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ:ግብጺን ሱዳን ኣብ ግድብ ህዳሴ-ኪንሻሳ
Your browser doesn’t support HTML5
ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሱዳንን ግብጺን ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዋና ከተማ ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ-ኪንሻሳ ብምርኻብ ተቋሪጹ ዝጸንሓ ልዝብ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዳግማይ ምጅማሮም ተገሊጹ'ሎ::
ነቲ ዘተ ሰለስተን ሃገራት ናይ ሕጂ እዋን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾኑ ፕረዚደንት ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ ፍሊክስ ሺሰከሪ መደረ ብምስማዕ ጀሚሮምዎ ኣለው ::