ሱሉሳዊ ዘተ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ:ግብጺን ሱዳን ኣብ ግድብ ህዳሴ-ኪንሻሳ

Your browser doesn’t support HTML5

ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሱዳንን ግብጺን ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዋና ከተማ ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ-ኪንሻሳ ብምርኻብ ተቋሪጹ ዝጸንሓ ልዝብ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዳግማይ ምጅማሮም ተገሊጹ'ሎ:: ነቲ ዘተ ሰለስተን ሃገራት ናይ ሕጂ እዋን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾኑ ፕረዚደንት ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ ፍሊክስ ሺሰከሪ መደረ ብምስማዕ ጀሚሮምዎ ኣለው ::