ሰነድ ድምጻዊ፡ ሰነድ ዘመናዊ ሙዚቃ ኤርትራ
Your browser doesn’t support HTML5
ግርማይ ሰሎሞን ኣብ ታሪኽ ዘመናዊ ሙዚቃ ኤርትራ ዓቢ ኣበርክቶ ዝነበሮ ድምጻዊን ሙዚቀኛን’ዩ። ጽልዋኡ፡ ካብ ኤርትራ ሰጊሩ ኣብ ኢትዮጵያ ምስቶም ኣዝዮም ስሙያት ድምጻውያን ከም በዓል ኣለማየሁ እሸቴን መሓሙድ ኣሕመድን፣ ኣብ ሱዳን’ውን ምስ ከም በዓል መሓመድ ወርዲ ዝጻወት ዝነበረ ግርማይ ሰሎሞን፡ ሕጂ ንታሪኽ ህይወቱ እተዘንቱ መጽሓፍ ተሓቲማ ኣላ። እዛ ብዘመንፈስ ሃይለ ዝተዳለወት መጽሓፍ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ መላልዪ ስነ-ስርዓት ተገይሩላ ነይሩ።