ሰነት ኣመሪካ ብማሕነቅቲ ምቅታል ፌደራል ገበን እዩ ኢሉ ወሲኑ

  • ዜና ቪኦኤ
    በትረ ስልጣን

ሰነት ኣመሪካ ብማሕነቅቲ ምቅታል፣ ፌደራል ገበን እዩ ኢሉ ወሲኑ ።

ሰነት ኣመሪካ ትማሊ ምሸት ብሓደ ድምጺ ናብ’ዚ ውሳነ’ዚ ዝበቅዐ፣ እቲ ኣጀንዳ ቕድሚ ሓደ ሰሙን ብቤት ምኽሪ ኣመሪካ ተዘትይሉ ብ422 ድምጺ ድጋፍን ብሰለስተ ድምጺ ተቃውሞን ድሕሪ ምሕላፉ እዩ።

እቲ "ሕጊ ኢመት ቲል -ጸረ ሓኒቅካ ምቅታል" ዝብል መጸውዒ ዝረኸበ ሓድሽ ሕጊ ኣመሪካ ዝተበገሰ፣ ኣብ 1955 ዓም፣ ወዲ 14 ዓመት ጸሊም ኣሜሪካዊ ኢመት ቲል ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሚሲሲፒ ተቀጥቂጡ ድሕሪ ምቅታሉን ነቲ ኣብ 50ታትን 60ታትን ዝተባረዐ ቃልሲ ሰብኣዊ መሰላትን ከምነዳዲ ኮይኑ ከምዘገልገለን ዝዝከር እዩ።

ሕጊ ጸረ ማሕነቅቲ ኢመት ቲል፣ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዓመታት፣ ብቤት ምክሪ ኣመሪካ ዝሓለፉ ልዕሊ 200 ሕጊታት እቲ ዳሕረዋይ ታሪኻዊ ሕጊ ተባሂሉ’ውን ተሰኒዱ ኣሎ።

ሰነት ኣመሪካ ዘጽደቆ ሓድሽ ረቂቅ ሕጊ ጸረ ሓኒቅካ ምቅታል፣ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ድሕሪ ምፍራሙ፣ ሕጊ ኣመሪካ ክኸውን እዩ። ብድሕሪኡ ንማሕነቅቲ ዝተፈርደ ዝኾነ ሰብ ክሳብ 30 ዓመት ማእሰርቲ ክብየኖ እዩ።