ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝፍነው ግጉይ ሓበሬታ ንናይ ውሽጢ ሃገር ጥሩፍነት መበገሲ ኽከውን ከምዝኽእል የጠንቅቑ

  • በትረ ስልጣን
    ዜና ቪኦኤ

‘ኣሜሪካ፣ ብህውከት ዘቤታዊ ጥሩፍነት ’ ስግኣት ሓዲሩዋ ከምዘሎ ብምምሕዳር ባይደን ዝተዘርገሐ ስትራቴጂካዊ መጽናዕቲ ገሊጹ።

እዚ እዋናዊ መጠንቕታ ይቃላሕ ዘሎ፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ፣ ነቲ ዝሓለፈ ጥሪ ብደገፍቲ ፕረዚደንት ዝነበሩ ዶናልድ ትራምፕ ንመአከቢ ኣዳራሽ ኣብያተ ምኽሪ ዝወረርሉ ኣገባብ ኣብ ዝምርምርሉ እዋን እዩ።

ብመሰረት ኤፍቢኣይ (ፌደራላዊ መርመራ ኣሜሪካ) ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቶም ጽንፋዊያን መሰረቶም ዓሌታዊነት ክኸውን ከምዝኽእል ብሕልፊ እቶም ንልዕልና ጻዓዱ ዝህቅኑ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጠቂሱ ኣሎ።