ሰበ ስልጣን ሊብያ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ሕጽረት ቐረብ ከምዘሎ ይገልጹ

ሰበስልጣን ሊብያ ጠለብ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ከተማ ታጁራ ዘለው ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ንምምላእ ሕጽረት ቐረብ ከምዘሎ ትማሊ ረቡዕ ገሊጾም።

ከተማ ታጁራ ኣብ መንጎ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ’ታ ሃገርን ኮማንደር ምብራቓዊ ሊብያ ከሊፋ ሃፍተር ኹናት ዝካየደሉ ቦታ ተዳወብ ከተማ’ያ።

ኣብታ ከተማ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ዝመጹ ኣስታት 550 ስደተኛታት ከምዘለውን ሕጽረት መግቢ ከምዘሎ ዳይሬክተር’ቲ ማእከል ኑር ኢለዲን ቃርልቲ ይገልጹ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ መንግስቲ ኢጣልያ ሕብረት ኣውሮጳ ካብቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ግጭት ዘምልጡ ስደተኛታት ዘካይድዎ ስደት ዝምልከት ውጥን ክሕንጽጹ ኣብ ዝጸውዓሉ ዘሎ ጊዜ’ዩ።

ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ጋሲም ሳልም ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ወገናት ሊብያ ኣብ ዝመጽእ ክልተ ሰሙን ልዝብ ክጅመር ተስፋ ከምዘሎ ይገልጹ ኣለው።

ኣብ ሊብያ እዚ ዳሕረዋይ ኹናት ካብ ዝጅምር ኣስታት 3,600 ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ ማእከል ተቐርቒሮም ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።ብመሰረት ሓበሬታ ውዱብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት ኣስታት 264 ሰባት ክሞቱ ከለው 1,266 ድማ ቆሲሎም ኣለው።

እቲ ትካል ብተወሳኺ ብዝሒ ዘለዎም ሰላማዊያን ሰባት ኣብ ናይ ሕክምና ማእከላት ተዓቑቦም ዘለው ክኾኑ ከለው ኩነታት ኣብ ብመንግስቲ ዝመሓደሩ መዳጎኒ ማእከል ዝርከቡ ስደተኛታት ከምዘሻቐሎም ይገልጹ ኣለው።