ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ካብ ትግራይ ንክወጹ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጸዊዖም 

  • በትረ ስልጣን

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ገብረመስቀል ካሳ "ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ የለን ዝብል እንተሃልዩ፣ክምርመር እዩ ዝግበኦ፣ ኣብ ትግራይ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ኣሎ’ዩ፣ ናይ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ኣሎ’ዩ፣ ስለዚ ብቅልጡፍ ካብ’ዚ ክልል ንክወጹ ኢና ነተሓሳስብ" ኢሎም ።

ንሶም ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ "እቲ ከምኡ ዝብል ኣብ ትግራይ እንተሃልዩ፣ ግመል ሰሪቅካ ጎምባሕ ጎምባሕ እዩ ዝኾኖ፣ ሚድያታት ዓለም’ውን ብግልጺ ዝረኣይዎ፣ ህዝቢ ትግራይ’ውን ብዓይኑ ዝራኣዮ ስለዝኾነ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘብጽሕዎ ሓደጋን ዝፈጸምዎ ገበንን ብወግዒ ይቅረታ ሓቲቶም ካብ መሬት ትግራይ ንክወጹ እየ ዝሓትት" ኢሎም።

አብዚ ቀረባ ንድምጺ ኣሜሪካ ቃለ ምልልስ ዝሃቡ ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዳይረክተር ኢንዶክትርነሽን ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ "ሰራዊት ኤርትራ፣ ዶብ ሰጊሩ ብዛዕባ ይፍጽሞ ኣሎ ዝባሃል መግሃስቲታት መልሲ’ዶ ክህቡና?" ዝብል ሕቶ ቀሪቡሎም "ንሳቶም ንጉልባብ ዝጥቀሙሉ እዩ’ምበር፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ነቲ ጁንታ ንምውቃዕ ዘኽእል ሓይሊ ነይሩዎ እዩ፣ ሓቂ እዩ ነቲ መጥቃዕቲ ንሳቶም እዮም ጀሚሮምዎ። ካልእ ሰበብ ክፈጥሩ ግድን ስለዝነበረ እዩ ነዚ ምኽንያት’ዚ ዝብሉ ዘለው። ስለዚ ርግጸኛ ኮይነ እየ ዝነግረኩም ዘለኹ፣ ኣብ ትግራይ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ይፍጽም ዘሎ ሰራዊት መከላኸሊ ኢትዮጵያ እዩ" ኢሎም ነይሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ካብ ትግራይ ንክወጹ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጸዊዖም


ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ አቶ ጌታቸው መንግስቴ ብወገኖም ‘ናብ ክልል ትግራይ ዘእተናዮ፣ ዘዋፈርናዮ ሓይሊ የለን። ራያን ከባቢኡን፣ ወልቃይትን ከባቢኡን ኣብ ታሪኽ ናይ ትግራይ ኮይኖም ኣይፈልጡን’ ከምዝበሉ ዝዝከር’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ግና ‘ውግእ ናይ ትግራይ፣ ናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጉዳይ’ዩ’ ካብ ምባል ሓሊፉ ብዛዕባ ህላዌ ሰራዊቱ ኣብ ትግራይ ዝሃቦ ወግዓዊ ግብረ መልሲ ዛጊድ የለን።