ሰራዊት ኣሜሪካ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ካልኦት ዓለምለኸ ኣጋር ዘካይዶ ወታደራዊ ልምምድ ሎሚ ጀሚሩ

  • ገብረ ገብረመድህን

ሰራዊት ኣሜሪካ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ካልኦት ዓለምለኸ ኣጋር ሃገራትን ብሓባር ዘካይዶ ናይ ክልተ ሰሙናት ወታደራዊ ልምምድ ሎሚ ጀሚሩ።

‘Justified Acord 19’ ዝተባህለ ወታደራዊ ልምምድ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንልዕሊ ኽልተ ሰሙናት ክፀንሕ እዩ።እቲ ልምምድ ካብ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ብተወሳኺ ካብ ወታደራት ንልኡኽ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልን ካብ ምዕራባዊያን መሻርኽቲን ዝተዋፅኡ ኣስታት 1,100 ሰባት ዝሳተፍሉ እዩ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ዘጋጥሞም ዝተፈላለዩ ፈተናታት ፀጥታ ስግረ ዶብ እዮም ዝበሉ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዛዚ ሰራዊት ኣሜሪካሜጀር ጀነራል ሮጀር ክላውት እዞም ዘይምርግጋኣት ንከባቢያዊ ጠንቂ ህውከት ስለዝኾኑ ብሓባር ምስራሕ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

“ዝኾነት ትኹን ሃገር ነዚ ኩሉ ፈተናታት በይና ክትገጥሞ ኣይትኽእልን።ነንሕድሕድና ንደላለየሉ ምኽንያት እውን ነዚ እዩ።ናይ ኣፍሪቃ ሕብረት ናይ ሶማል ተልእኾ ዝኣመሰሉ ዓለምለኸ ምውዳድ ዘድሊ ነዚ እዩ።ኣብ ሓባራዊ ስግኣታት ሓቢርና ደው እንብለሉ ምኽንያት ዝበለፀት፣ ብልፅግትን ፀጥትኣ ሕሉው ዝኾነትን ኣፍሪቃ ንምፍጣር እንኽእል እውን ብምትሕብባርን ብኣጋርነትን ብሓባር ብምስራሕ እዩ።”

ኣብ ኢትዮጵያ አማባሳደር ኣሜሪካ ማይክል ሬይነር እቲ ወታደራዊ ልምምድ ከባቢያዊ ሰላም ንምሕጋዝን ዝተፈላለዩ ክእለታት ንምምዕባልን ክሕግዝ እዩ ኢሎም።

ሃገራት ዝተፈላለዩ ፈተናታት የጋጥመን ከምዘሎ ዝገለፁ ሚንስትር ድኤታ ሚንስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣቶ ፍስሃ ወልደሰንበት ግብረ ሸብራ፣ዝቐፀለ ጉዳይ ምምዝባል ውሽጢ ሃገር፣ናይ ብሄርን ነገዳትን ግጭት ንምምካት እቲ ልምምድ ከምዝሕግዝ ገሊፆም ኣለው።ሰላማ፣ ዝተረጋግአን ዝበልፀገን ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዕዋት ዘኽእል እዩ እውን ኢሎም።

ምጅማር ወታደራዊ ልምምድ ወግዓዊ ኣብዝተገብረሉ ስነስርዓት ላዕለዎት ወታደራዊ መኮነናት ኣሜሪካካልኦት ተሳተፍቲ ሃገራትን ተረኺቦም ኣለው።