ዋሽንግተን —
ሰራዊት ቱርኪ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ሶሪያ ንዝርከቡ ዒላማታት ኩርዲስ የጥቕዑ ኣብዘለውሉ ሕጂ እዋን ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝርከቡ ተዓዘብቲ ግን ኣሜሪካ ንኩርዳዊያን መሻርኽታ ክሒዳ ክብሉ ሻቖለቶም ይገልፁ ኣለው።
ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ንኩርዳዊያን መሻርኽታ ከዲዓ ንዝብል ክሲ ይነፅጉዎ።ጆርዳናዊ ተንታኒ ዑስማን ኣል-ሸሪፍ ኩርዳዊያን ፊት ንፊት ኣባል ኔቶ ምስዝኾነት ሓያል ሃገር ክገጥሙ ገዲፋቶም ምውፅኣ ኣብ ፕረዚደንት ትራምፕ እምነት ንምሕዳር ኣፀጋሚ እዩ፤ንካልኦት ናይቲ ዞባ መሻርኽታ እውን ሓደገኛ መልእኽቲ ዘሕልፍ እዩ ይብል።
ቱርኪ ንሓይልታት ኩርዲስ ካብቲ ከባቢ ንምፅራግ ነዊሕ ዝፀንሕ ወታሃደራዊ ስርሒት ጀሚራ’ላ።ናይ ቱርኪ ፕረዚደንት ረሲፕ ጠይብ ኤርዶጋን ስርሒት “ፅዲያ ሰላም’’ ኢሎም ዝፀውዕዎ ወታሃደራዊ ወፍሪ ምጅማሩ ሎሚ ረቡዕ ኣዊጆም ኣለው።