ዋሽንግተን —
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንዝተወሰኑ ኣባላት ዳዕሽ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከምዘእተወን ዘይተትሓዙ እውን ከምዘለውን ኣፍሊጡ።
ምኽትል ኤታማዦር ሹምን ሓላፊ ወፍሪ ስርሒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ምስ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ኣብ ዝካየድዎ ቃለ መጠይቕ ዳዕሽ/ኣይ ኤስ/ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ንምንቅስቓስ ተደጋጋሚ ፈተነ ገይሩ ከምዝፈሸሎ ብምግላፅ ግን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመልመሎም፣ስልጠና ዝወሰዱን ዝተጠምቁን ከምዘለው መንግስቲ ፈሊጡዎ’ሎ፤ዝለዓለ ክትትል ድማ ይግበር ኣሎ ኢሎም።
ጀነራል ብርሃኑ ወሲኾም ሰራዊት ምክልኻል ነታ ሃገር ንምሕላው ንዝተወሃቦ ከቢድ ሓላፍነት ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
ዳዕሽ ኣብ ኢትዮጵያ ይረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ምቹእ ኩነታት ከምዝፈጠረሉ ኣብ ኬንያ ናይ ዝመደብሩ ሳሃን ኢንስቲቱዩት ምርምር ዳይሬክተር ማት ብራይደን ቅድም ክብል ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም ነይሮም።ብዛዕባ እዚ ካብ ቤት ፅሕፈት ኤታማዦር ሹም መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።