ሰራዊት ማልታ 78 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኑ ሓቢሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ሰራዊት ማልታ 78 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኑ ሓቢሩ

ሰራዊት ማልታ ትማሊ ሶኑይ 78 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ብምድሓን ናብ ዋና ከተማ ቫለተ ምርጋፉ ሓቢሩ።

ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ናይ ጥዕና ኩነታት ከምዝነበረ ዝገለጹ ሓይልታት ማልታ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ዕሸላት ቆልዑ ዝሓዙ ከምዝነበሩ'ውን ሓቢሮም ኣለው።

ሓይልታት ማልታ ኣብ ወርሒ ሓምለ ጥራይ 158 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ሓቢሮም ኣለው።