ሰራሕተኛታት መጓዓዝያታት ኣየርን ባሕሪን ግሪኽ ይእድሙ

  • ዜና ቪኦኤ

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ህይወት 57 ዜጋታት ንዝወሰደ ሓደጋ ባቡር ምኽንያት ብምግባር፡ ንድሕነት ዛጊት ዝተራእየ ለውጢ የለን ብምባል ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየርን ባሕሪን ግሪኽ ናይ ስራሕ ኣድማ ይገብሩ ኣለዉ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ሎሚ ሓሙስ ካብን ናብን ግሪኽ ዝኸይድ ናይ ኣየርን ባሕሪ መጓዓዝያታት ደው ኢሉ ውዒሉ። እቶም ሰራሕተኛታት ሎሚ ሓሙስ ንቡር ስራሖም ገዲፎም ብምውጻኦም’ዩ እቲ ደውታ ምንቅስቓስ ኣየርን ባሕሪን ኣጋጢሙ።

እቲ ናብ ሓሙስ ኣብ ዘውግሕ ካብ ፍርቂ ለይቲ ዝጀመረ ኣድማ መጓዓዝያታት ኣየር፡ እንትርፎ ንህጹጽ ህይወት ኣድሕን ዘገልግላ በረራታት ካልእ ኵሉ ምንቅስቓስ ኣየር ደው ዘበለ’ዩ ነይሩ። እዚ ድማ ንመንግስቲ ግሪኽ ኣብ 2019 ዘጋጣሞ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ዛጊት እቲ ካልኣይ ዝዓበየ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣብዚ ን24 ሰዓታት ዝጸንሕ ኣድማ ድማ ህዝባውያን ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓጽየን፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ከም ታክሲን ባቡርን’ውን ተሓዊሶሞ ኣለዉ።

ሰራሕተኛታት፡ ዓቃባዊ መንግስቲ ግሪኽ ነቲ ተደጋጊሙ ክቐርብ ዝጸንሐ ጠለባት ጸማም እዝኒ ምሃቡ ይኸሱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር ይቕረታ ሓቲቱ’ዩ። ኣብ ድሕነት መጓዓዝያ ዝሓሸ ኣበርክቶ ክግበር ምዃኑ ዝሓበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ድማ፡ ኣድማ ንዘካይዱ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ክዝሕሉ ጸዊዑ ኣሎ።