ሰማዒ ኣልቦ ኣውያት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ
Your browser doesn’t support HTML5
ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ኢትዮጵያ፡ ኣደራዕ ናይ በበይኖም ሓይልታት ዝዀኑ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ኢትዮጵያ--ብቐንዱ ግን ክልል ትግራይ--ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ዮም። ምስ ቅልጡፍ ምልውዋጥ ዓውደ-ኲናት፡ ምብታኽ መራኸቢታት፡ ምእዋጅ ህጹጽ ኣዋጅ ዘስዓቦ ቅልውላው... ብዝተፈላለየ ደረጃ ንኹነታቶም ጸልዩ’ዩ። ሽሕ’ኳ ዜጋታት’ውን ግዳይ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እንተዀኑ፡ ጉዳይ’ቶም ስደተኛታት ዝያዳ ዘብእሶ ግን ተሓላቒ ኣካል’ውን ስለ ዝሰኣኑ’ዩ።