ኣብ ዝሓለፍ 27 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ይግልፅ ካብ ዘሎ ዝኸፍአ እዩ ክብል ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት/ሰመጉ/ ኣፍሊጡ።
ተጠባባቒ ዋና ዳይሬክተር ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት(ሰመጉ) ኣቶ ቢኒያም ኣባተ ‘’ስቅያት ፍትሒ’’ ብዝብል ኣርእስቲ ብቕድሚ ትማሊ ሶሉስ ብመንግስታውን ንመንግስቲ ቅረበት ዘለወን መደብራት ቴሌቭዥን ዝቐረበ ዶክመንተሪ ፊልም ምሉእ ስእሊ ዘስካሕክሑ ተግባራት ኣየርእዩን ኢሎም።
ስፍሓት መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ን27 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘርእይ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ዝቐረበ ‘”ስቅያት ፍትሒ’’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ዶክመንታሪ ፊልም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ብቴሌቪዥን ከምዝረአይዎ ተገሊጹ።
ንምእማን ዝኸብድ ናይ ጭካነ ማሕረምቲ ዝተፈፀሞም፣ብምቕጥቓጥን ካልኦት ኣገባባትን ክሳብ ኣካል ምጉዳል ዘጋጠሞም ዜጋታት ስቅያቶም እናነብዑ ብኣንደብቶም ገሊፆም ኣለው።
ብዛዕባ እቶም መስቀይቲ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ዝተፈላለዩ መግለፅታት ከውፅእ ዝፀንሐ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት/ሰመጉ/ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝተፈፀመ ስቓይ ኣብቲ ፊልም ካብዝተገልፀ ዝኸፍአ እዩ ይብል። ተጠባባቒ ዋና ዳይረክተር ሰመጉ ኣቶ ቢኒያም ኣባተ ከምዚ ይብሉ።
“ይፍፀሙ ዝነበሩ ዝርዝር ጉዳያት፣ዓይነታት ስቅያት፣ብዝተወሰነ መልክዑ ከም ፅቡቕ መርኣያ ክርአ ይኽእል።ብርግፅ ካብዚ ዝኸፍኡ ተግባራት ይፍፀሙ ስለዝነበሩ ብናተይ ርእይቶን እምነትን እዚ ልስሉስ ኣቀራርባ እዩ።”
ኣቶ ቢኒያም ብተወሳኺ ክሳብ ሎሚ ሃለዋቶም ዘይተፈለጠ ሰባት ስለዘለው ካብዚ ዝኸፍአ ስቅያት ዝተፈፀሞም ግዳያት ንሰመጉ ኣመልኪቶም እዮም።ካብዚ ዝኸፍኡ ብርክት ዝበሉ ተግባራት ስለዝተፈፀሙ እዚ ዝቐረበ መርኣያ ክብሃል ዝኽእል እዩ ኢሎም ።
መንግስቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ብዝለዓለ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተጥርጠሩ ውልቀሰባት ካብ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር የውልዕ ኣሎ።
ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎምን እቲ ስጉምቲ ከምዝቕፅልን ተገሊፁ’ሎ።
እዚ ናይ መንግስቲ ስጉምቲ ግቡእ ምዃኑ ዝገለፁ ተጠባባቒ ዋና ዳይሬክተር ኣቶ ቢንያን ኣባተ ምስ ዝወረደ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ኣይመጣጠንን ኢሎም።
“ኣይመጣጠንን፤ምኽንያቱ ኣብቶም ዝሓለፉ 27 ዓመታት ዝተፈፀሙ እዚኦም ጥራሕ ኣይኮኑን፤ወይ ሕዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣካላት ጥራሕ ዝፈፀሙዎም ኣይኮኑን።ኣብዝተፈላለዩ ክልላት እታ ሃገር ሰመጉ ንርእሱ ካብዞም ተፈፂሞም ዝተበሃሉ ብዝበለፀ ኣዚዮም ብዙሓት መረዳእታታት ኣኪቡ እዩ።”
ብመንግስቲ ይውሰድ ዘሎ ስጉምቲ እኹል ስለዘይኮነ ካብዚ ንላዕሊ ክኸይድ ኣለዎ ኢሎም።
“ኩሎም ዘጥፍኡ ዝሓወሰ እንተተኻኢሉ ድማ ነዚ ጉዳይ ዘፃሪ ገለልተኛ ኮሚሽን ብምጥያሽ ክፃረይን ተሓተቲ ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ኣለዎም።ስለዚ ክሳብ ሎሚ ዝተወስደ ፅቡቕ ነገር እንተኾነ እውን እኹል ግን ኣይንኮነን።”
ኣብቲ ዝተመሓላለፈ ዶክመንታሪ ፊልም ዝተጠቕሱ ስቅያት መዘራረቢ ኮይኖም ቀፂሎም ኣለው።
Your browser doesn’t support HTML5