ሰልፍታት ተቓውሞ ተወላዶ ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ

  • ገብረ ገብረመድህን

Your browser doesn’t support HTML5

ሰልፍታት ተቓውሞ ተወላዶ ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ

ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝነብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ተወላዶ ትግራይ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባታት ዓለምለኸ ትካላት ገንዘብ ብምርካብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክልል ትግራይ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎ ግፍዕታት ብምግላጽ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ልቓሕ ከይውሃብን ካልእን እገዳታት ብምሕታት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ፅሕፈት ባንኪ ዓለምን ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ብምርካብ ናይ ተቓውሞ ድምፆም ኣስሚዖም ኣለው።

ኣባላት ማሕበረሰብ ተወላዶ ኣምሓራ እውን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምዕራብ ወለጋ መንነት ዒላማ ዝገበረ ዝበሉዎ ግፍዒ ምፍፃሙ ጋዜጠኛታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብዘይኣግባብ ይእሰሩ ኣለው ብምባል: ሰልፈኛታት ንኣመሪካ ሓዊሱ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ስጉምቲ ክወስዱ ብምትሕስሳብ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ድምፆም ኣስሚዖም።