ሰልፊ ኤርትራውያንን ተወላዶ ትግራይን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ

Your browser doesn’t support HTML5

ሰልፊ ኤርትራውያንን ተወላዶ ትግራይን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ

ብዓርቢ 07 ጥቅምቲ ኣብ ሰዓታት ንግሆ፡ ኤርትራውያንን ተወላዶ ትግራይን ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም ነይሮም። ብዛዕባ’ቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ንሓደ ካብቶም ኣተሓባበርቲ እቲ ኣጋጣሚ ዝዀነ ልኡል ዘውደ ኣዘራሪብናዮ ኣሎና።

ብዛዕባ ምትእትታው ኣብ ኲናት ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ በብይኑ ኣጋጣሚ ከም ዝጠቐሶ፡ ብወገን ህወሓት መጥቃዕቲ ምስ ተፈነወሉ ነብሱ ክከላኸል ከም ዝኣተወ’ዩ ዘመልክት። ድሕሪ’ቲ ሰለማዊ ሰልፊ (ቀዳም 8 ጥቅምቲ) ኣብ ዝወጸ መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ’ውን ግጭት ትግራይ ዘቤታዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምዃኑ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝኣምን ሓቢሩ ኣሎ።