ሰልፊ ኤርትራዊያን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ

ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝተአኻከቡ ኤርትራዊያን ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሰላማዊ ሰልፊ አካይዶም::

ሰልፈኛታት ኣብ ናይ ገዛ ማህዩር ንዝርከቡ ፓትሪያርክ ኣንጦንዮስን ኹሎም እሱራት ሕልና ዝበልዎም ኤርትራዊያን ክፍትሑ ድምጾም ኣድሚዖም ኣለው::

Your browser doesn’t support HTML5

ሰልፊ ኤርትራዊያን ዋሽንግተን ዲሲ

ንአቦና ኣንጦንዮስ ቅዱስ አቦና ነጻ ልቐቅዎምም ንኹሎም ኤርትራዊያን እሱራት ሕልና ፍትሕዎም መንግስቲ ኤርትራ ናጽነት ሃይማኖት ከኽብርን ዝብሉን ካልኦት ጭርሖታት ብምሓዝ እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ፊት ንፊት ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስን ካፒቶል ሂል ማለት ቤት ምኽሪ መንግስቲ ኣሜሪካ ድምጾም ኣስሚዖም ኣለው::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

Your browser doesn’t support HTML5

ሰልፊ ኤርትራዊያን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ