ሰልፊ ተወላዶ ኦሮሞ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ

  • በትረ ስልጣን

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት’ታ ሃገር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም፣ ብሕልፊ ኣብ ክልል ኦሮምያ፣ ሰባትብጅምላ ይኣስር ኣሎ ዝብሉ ኢትዮጵያዊያን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኮሚኒቲ ተወላዶ ኦሮሞ ኣብ ዘዳለዎ ሰልፊ፣ ኣብ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ኣለው ዝተባሃሉ ተወላዶ ኦሮሞ ፖለቲከኛታት፣ ህይወቶም ኣብ ስግኣት ወዲቁ ኣሎ ዝብል ቅሬታ ኣቃሊሖም።

መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝልግሶ ደገፍ ንከቋርጽ’ውን ተማሕጺኖም።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣቶ ፍጹም ኣረጋ ብወገኖም "ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ፖለቲካዊ መርገጺኦም ጥራሕ ዝተኣሰሩ ሰባት የለውን፣ ኣብ ምሕሳም መግቢ ዝርከቡ ሕክምናዊ ሓገዝ ይቀርበሎም ኣሎ፣ ዓለምለኸ ትካላት ንኢትዮጵያ ኣብ ዘሕግዝሉ ጊዜ፣ ኢትዮጵያዊያን ኢና ዝብሉ ደገፍ ይቋረጽ ክብሉ ግቡእ ኣይኮነን"ከምዝበሉ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።