ርክብ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ኣብ ክታበት፡ ክሊማዊ ለውጢን ጸጥታን የተኵር

ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኣውሮጳን

ኣብቲ ሎሚ የካቲት 17,2022 ኣብ ዝጅምር ዋዕላ መራሕቲ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ንምስታፍ፡ ልዕሊ ደርዘን ዝዀኑ መራሕቲ ኣፍሪቃ ናብ ብራስለስ ተጓዒዞም ኣለዉ።

ኣስታት 70% ዝበጽሑ ነበርቲ ሃገራት ኤውሮጳ ብውሑዱ ሓንቲ መጠን ክታበት ክቕበሉ እንከለዉ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ግን እቲ ኣሃዝ 16% ጥራይ’ዩ። እዚ ጋግ እዚ እምበኣር ሓደ ካብቲ መዘራረቢ ኣጀንዳ መራሕቲ ክልተ ኣህጉራት ክኸውን’ዩ።

ኣብ ኮሚሽን ኤውሮጳዊ ሕብረት ሓላፊት ምክትታል ጥዕናን ድሕነትን ዝዀነት ስቴላ ክይሪካደስ (Stella Kyriakides)፤“ክታበት ምሃብ ሓደ ነገር’ዩ፡ ህዝቢ ከም ዝኽተቡ ምርግጋጽ ከኣ ካልእ’ዩ። ማዕርነት ከኣ ኪንዮ ምሃብ ጥራይ ዝኸይድ’ዩ” ትብል።

ብስእነት ኣማራጺታት ወፍሪን ሕጽረት ንጥረ-ነገራት ኣብ እትሳቐ ዘላ ኤውሮጳ፡ ወፍሪ ንኣፍሪቃ ከም ሓደ ኣማራጺ’ያ እትርእዮ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ’ውን እቲ ሕብረት፡ ኣብ ምኽፋት ዕድላት ስራሕ፡ ተተካኢ ጸዓትን ዲጂታላዊ ወፍሪን ዝኸውን ናይ 300 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ንኣፍሪቃ ክግበር ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ጉዳይ ስደተኛታት ካልእ ቀንዲ መዛራረቢ ዛዕባ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ርክብ’ዩ።

ካብ መጽናዕታዊ ትካል ሆርን ኢንተርናሽናል ፎር ስትራቴጂክ ስታዲስ(Horn International Institute for Strategic Studies)ዝዀነ ሓሰን ካንንጀ ንጉዳይ ስደተኛታት ኣመልኪቱ “መራሕቲ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሃገራት ኣፍሪቃን ብዛዕባ ጉዳይ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ሓደ መቓን ክመጹ ወሳኒ’ዩ። ክዛተዩሉ ዘድልዮም ጉዳይ ድማ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ዜጋታት ኣብ’ተን ብዙሓት ስደተኛታት ዘፍርያ ዘለዋ ሃገራት፡ ኣብ መሳገሪ ከምኡ’ውን ኣብ መጨረሽታ መዕረፊ ሃገራት’ዩ”ይብል።

ኣብዚ ክልተኣዊ ርክብ፡ ጉዳይ ጸጥታ ኣፍሪቃ’ውን ካልእ መዘራረቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ኣሎ። ኣብ መንጎኡ፡ እቲ ህይወት ኣሽሓት ዜጋታት ወሲዱ ዘሎ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ’ዩ። ካልእ ጸጥታዊ ጉዳያት ማሊ፡ ሞዛምቢክ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ናይጀሪያን ሶማልን ከጠቓልል’ዩ።

ኣብ ሃገራተን ብዝተራእየ ዕልዋ መንግስቲ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንማሊ፡ ጊኒ፡ ሱዳንን ቦርኪና-ፋሶን ካብ ኣባልነቱ ሰጒጉ’ዩ።

እንተዀነ ካብቶም ንርክብ ናብ ኤውሮጳ ተጓዒዞም ዘለዉ መራሕቲ፡ ከም ናይ ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዙ ምዃኖም ገለ ወገናት ይነቕፉ።

ርክብ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዝካየድ ዘሎ ጽልዋ ቻይና ኣብቲ ኣህጉር እናዓበየ ይመጸሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ። ቻይና ዳርጋ እተቐምጦ ቅድመ፡ኵነት ብዘይምህላዉ ድማ ብብዙሓት ወገናት ኣብቲ ውድድር ተመራጺት ይገብራ።