ርእይቶታት ኢትዮጵያዊያን ምሁራትን ተሓለቕቲ መሰላትን ንውሳነ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ንምሉእ ተቐቢሉ ክትግብሮ ከምዝወሰነ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ድሕሪ ምፍላጡ: ዝተፈላለዩ ዜጋታት ዝተፈላለየ ስምዒታቶም ምግላጾም ቀጺሎም ኣለዉ። ንሎሚ ሰለስተ ዝተፈላለየ ኣርኣእያ ዘለዎም ምሁራትን ፖለቲካዊ ተሓለቕትን ዓዲምና`ለና።

ዶ/ር ደረጀ ፈይሳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህርን፡ ኣብ ኢንስቲቱት ሰላምን ህይወትን ተመራማርን`ዩ። ካልእ ድማ ዶ/ር ኣወል ቃሲም ኣሎ ይብሃል፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ መምህር-ሕጊ`ዩ። ሳልሳዮም ድማ ኣቶ ሃብታሙ ኣያሌው፡ ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢ-ቓል ተቓዋሚ ፓርቲ ዝነበረ፡ ድሓር ተኣሲሩ ምስ ወጸ ኣብ`ዚ ኣብ ኣመሪካ ተቓላሳይ ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰላት`ዩ።

ምሉ እ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል

Your browser doesn’t support HTML5

ርእይቶታት ኢትዮጵያዊያን ምሁራትን ተሓለቕቲ መሰላትን ንውሳነ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ